Saturday , April 27 2024
(AP Photo/Visar Kryeziu) XVK120

UN: ቊጽሪ ስደተኛታት ዩክሬይን 2 ሚልዮን በጺሑ።

ብመሰረት ኣሃዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን ንደሓር ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ተሰዲዶም ኣለዉ። ዛጊት 1.2 ሚልዮን ካብዞም ስደተኛታት ናብ ፖላንድ ምእታዎም ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ።

ክሳብ ሎሚ ብጠቕላላ 2,011,312 ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ብምስዳድ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣትዮም ምህላዎም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንደ ብሰሉስ ገሊጹ’ሎ።

ትማል ሰሉስ ዩክሬናውያን ብምብራቕ ክፋል ሓንቲ ከተማ ኣቢሎም ክወጹ ከም እተራእዩን በዚ ድማ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሩስያን ዩክሬይንን ግዜያዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተጌሩ ህዝቢ በዘን ሓሙሽተ ኮሪደራት ኣቢሉ ክሓልፍ ከም እተገብረን ተፈሊጡ።

ብሰንበት ጥራይ 141,500 ዩክሬናውያን ዶብ ተሳጊሮም ናብ ፖላንድ ክእትዉ እንከለዉ 100ሽሕ ዝኾኑ ድማ ናብ ቼክ ሪፓብሊክ ኣትዮም ኣለዉ ተባሂሉ።

ብመሰረት UNHCR ዩክሬናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ሃንጋሪ፡ ሮማንያ፡ ሞልዶቫን ስሎቫክያን እውን ተጓዒዞም ኣለዉ። ካብ ጠቕላላ እዞም ስደተኛታት እቶም 100 ሽሕ ዝኾኑ ዩክሬናውያን ዘይኮኑ ዜጋታት እዮም ተባሂሉሎ።

እዚ እናኾነ ምስ ምምጻእ ብዝሒ ዘለዎም ዩኬናውያን ስደተኛታት ትማሊ ኣብ ስቶክሆልም ኣፍደገ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኤጀንሲ ስደተኛታት ነዊሕ ሰልፊ ተገልገልቲ ከም እተራእየ

ሓንቲ ካብዞም ስደተኛታት ዝኾነት ታትያና ናብ ሽወደን ቅድሚ ሳልስቲ ምስ ሰለስተ ደቃን ኣደ ዓባያን ዝመጸት ኮይና እትጽግዓሎም ኣዝማድ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ። እንተኾነ መንግስቲ ሽወደን ብዝገበረላ ሓገዝ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቦደን ዝተባህለ ከተማ ግዜያዊ መዕቆቢ ከም እተዋህባ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com