Tuesday , March 19 2024

UR Språkplay ዝሓሸ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደን ንኽህልወኩም ዝተዳለወ መደብ።

ምስ UR Språkplay መደብ ሬድዮ ትምህርቲ UR (Utbildningsradion) ዋላ እኳ ቋንቋ ሽወደን ኣጸቢቕካ እንተዘይካኣልካ፡ ብ 27 ካልኦት ቋንቋታት ተዳልዮም ስለዘሎዉ፡ ብመበቆላዊ ቋንቋኻ መሪጽካ ክትከታተል እዉን ትኽእል። ብድሕሪኡ ነቲ መደብ እንዳራኣኻ ዘይተረዳኣካ ቃል ምስትረክብ፡ ነታ ቃል ብምጥዋቕ ናብ ቋንቋኻ ክትርጉማ ትኽእል። በዚ ኣገባብ፡ ክሳብ 4000 ዝኣኽሉ ዝራኣዩ መደባት ተዳልዮም ኣሎዉ።

መደባት ኡኣር ፕለይ ማለት ( UR Play och UR Språk play) ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ይኹን ካልኦት ናይ ኣባልነት ቅጥዕታት ዘይሓትት ብቐጥታ ነዚ ጥብቆ ብምጥዋቕ፡

https://youtu.be/nsoxa6qLjRM

እትደልዮዎ መደብ ትርእይሉ ነጻ ኣገልግሎት እዩ።

መደባት ኡኣር ፕለይ (UR Play)፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ ንዘሎዉ ሰባት የገልግል። ንህጻናት ከምኡ ዉን፡ ነቶም ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እትከታተሉ፡ ምስቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዋሃቡ ስሩዕ ትምህርቲ ዝሳነዩ መደባት ኣሎዉ። ብዘይካ’ዚ፡ ነቶም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘየለዉ ሰባት ዘገልግሉ፡ ኣብ ዓዉዲታት ስነ-ፍልጠት፡ ስነዳ ፊልምታት፡ ወይ ከኣ ስነ ጽሑፍን ባህልን ዝቐንዑ መደባት ንእትግደሱ እዉን ተዳይልኩም ኣሎ።  

ኣብ መደባት UR Språkplay  ኣብ ትርየሉ እዋን፡ ብዙሓት ሓደሽቲ ቃላት ክትረክብ ኢኻ። ንምዕባይ ኣፍልጦኻ  ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ናይ ልምምድ ፈተና ክትገብር ምስትደልይ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ትርእዮ መደብ፡ ስዒቡ ዝመጽእ፡ ክሳብ ክንደይ ቃላት ከምተማሃርካ ነብስኻ ትግምግመሉ ፈተና ክትገብር ትኽእል።

ኩሎም ኣብ UR Play ዘሎዉ ብጽሕፈት ቋንቋ ሽወደን ዝተሰነዩ መደባት፡ ኣብቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝፍነወሉ  UR Språkplay ክትረኽቦም ትኽእል። እዚ ማለት፡ ኩሎም ኣብ UR Play ዝፍነዉ ሓደሽቲ መደባት ከይተረፉ ብተመሳሳሊ ኣብ  UR Språkplay ትረኽቦም ማለት እዩ።

ጭብጢ ብዛዕባ ሬዲዮ ንትምህርቲ UR

ትካል ማዕከን ሬድዮ ትምህርቲ ሽወደን UR፡ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ኣድሂቡ፡ መደባት ብምድላዉ ሓላፍነት ወሲዱ  ዝሰርሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት እዩ።

ትካል ማዕከን ሬድዮ ትምህርቲ ሽወደን UR፣  ሓላፍነቱ ብሃገራዊ ባይቶን መንግስቲ ሽወደንን ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ኣካላት ግን ኣብ ዝዳልዉ መደባት ጽልዋ የብሎምን። ከምኡ ዉን፡ ብኣታዊታት መዋዓዉዕን ብብዝሒ ተዓዘብቲ ዝርከብ ገንዘባዊ እቶትን መደባት እዚ ትካል ዝጽሎ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ወሳኒ ጽልዋ ዘሎዎ፡ ድሌት ናይ ተሳተፍትን ኣዳለዉትን ጥራይ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com