Tuesday , April 30 2024

ሃገራዊት ጋንታ ደቀ ኣንስትዮ ሸወደን ደሚቅ ኣቀባብላ ተገሩላ!!

ታዓዋታቲ ነሓስ መዳልይ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2019 ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ደቀ ኣንስትዮ ሸወደን ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ዮተበሪ ኣብዝ ኣተወትሉ ደሚቅ ኣቀባብላ ተገይሩላ። ኣብዚ ቡዙሓት ኣፍቀርቲ ሰፓርት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦ ኣቀባብላ ከምዝገብሩላን ሓለቃ ጋንታ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ካሮሊን ሰገር ብ ደሚቅ ደርፊን ሳዕሲዕትን ተሰንያ ቀይሕ ሪባን ቆሪጻ።

ኣብዚ ቡዙሓት ደገፍቲ ዝተረኸቡሉ ኣጋጣሚ ጀጋኑና ኮርዕኽን ኣኹሪዕኽናና እኽን እሞ ተሓበኒና ብምባል ደገፎም ገሊጾምለን።ምስ ቡልጻት ኣከፋፋሊት ዝተሰርዔት ኣስላኒ ኣብዚ ሃበቶ ሓጺር ቃል ሽወደን ሕጂ ናብ ካርታ ዓለም ኩዑሶ እግሪ ኣትያ ክትብል ነዚ ድሙቕ ዓወታ ገሊጻቶ።

ከምዝፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ደቀ ኣንስትዮ ሸወደን ን መዘንኤን ሃገራዊት ጋንታ ደቀ ኣንስትዮ ኢንግሊዝ 2 ብ 1 ብምስዓር ናይ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓወቲ ዝኾና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com