Tuesday , April 30 2024

ሃገር ሽወደን 5000 ናይ ክዎታ ዕቝበኛታት ንኽትወስድ ትውስን

ካብ 1990 ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ክዎታ ሎሚ ዓመት እዩ። ኣብ 2018 ሃገር ሽወደን ክሳዕ 5000 ስደተኛታት ክትቅበል እያ። እቲ ስራሕ ከምቲ እተመደቦ ይካየድ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ እቲ ቝጽሪ ናብ 4000 በጺሑ ኣሎ፡ ክሳዕ ሕዳር ድማ ናብ 5000 ኪበጽሕ እዩ።

ከምቲ ሚግረሽን ኣቐዲሙ ዝበሎ ሃገር ሽወደን ንምቕባል ክዎታ ስደተኛታት ብዚምልከት ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ እያ። እቲ ክዎታ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ካብ 1900 ናብ 5000 ክብ ኢሉ ኣሎ። ነቲ ብዝሒ ክዎታ ዚውስኖ ባዕሉ እቲ መንግስቲ እዩ።

ነቲ ዕማም ንምውዳእ እቲ ስራሕ ዓሚ ጀሚሩስ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ።

– እቲ ብ2017 ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣብዚ ዓመትዚ ብዙሓት ስደተኛታት ኣመሓዲርና ኣሎና፡ ስለዚ እቲ ስራሕ ጽቡቕ እዩ ዚካየድ ዘሎ። ነቲ ክዎታ ኣብ ሕዳር ክንውድኦ ኢና ኢለ እኣምን፡ ይብል ኦስካር ኤክብላድ፡ ሓላፊ ምጥያስ።

ገሊኡ ጉዳያት ምስ UNHCR ብምትሕብባር እዩ ዚካየድ፡ እቲ ካልእ ድማ በታ ዓዳሚት ሃገር ይካየድ። ክሳዕዚ ዓመትዚ ሚግራኹንቬርከት ናብ ሃገራት ኒጀርን ግብጽን ቱርክን ትሽዓተ ልኡኻት ሰዲዳ ነይራ። ቅድሚ ናይዚ ዓመት መወዳእታ ድማ ሰለስተ ካልእ መገሻታት ኪካየድ እዩ።

ድሕርቲ ኣብ ፈለማ ሓጋይ ኣብ ኒጀር እተኻየደ ጻዕርታት እቲ ልኡኽ ኣብ ቀውዒ ድማ ኪኸይድ እዩ። UNHCR ናብ ሊብያ ስለ ዝገዓዘ፡ ክዎታ ስደተኛታት ካብ ኒጀር ኪውሰዱ እዮም። ነዚኣቶም ናብ ሽወደን ብምምጻእ UNHCR ነቶም ናብ ኤውሮጳ ዚግዕዙ ስደተኛታት ውሕስነት ክትኮኖም ትኽእል እያ።

– ኣብ ሊብያ እቲ ጸጥታ ይልወጥ ኣሎ፡ ስለዚ እቲ ናብ ኒጀር እተመደበ ምብጻሕ ኪተሓላለፍ እዩ። ቀውዒ ብምኻድና ግን ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኪጥሕሉ ዚኽእሉ ሰባት ክንቅበሎም ንኽእል ኢና ይብል ኦስካር ኤክብላድ።

ምስ ኮሙናት ምስራሕ ኣሳልጦ ይህብ

ሓደ ናይ ኮታ ጽግዕተኛ ናብ ሽወደን ምስ ዚመጽእ፡ መጀመርያ ናብቲ ኮሙን እዩ ዚለኣኽ፡ እቲ ኮሙን ድማ ገዛ የትሕዞ ናብ ናይ እግሪምትካል ፕሮግራም ድማ የእትዎ። እቲ ናይ ምጥያስ ሕጊ ኣብ መጀመርያ 2016 ምስ ተኣታተወ ኩለን ኮሙናት ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ይቕበላ። ምስ ኮሙናት ምስራሕ ብሓፈሻ ኣሳልጦ ኣለዎ ይብል ኦስካር ኤክብላድ። እዚ ድማ ሎሚ ዓመት ኣብቶም ካብ ኒጀር እተፈናቐሉ ስደተኛታት ተራእዩ እዩ።

– ምስ ኮሙናት ምስራሕ ኣብቲ ናይ ምጥያስ መስርሕ ወሳኒ እዩ። ብዘይ ናታተን ምትሕብባር፡ ንሰደተኛታት ክንቅበል ኣይምኸኣልናን፡ ይብል ኦስካር ኤክብላድ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com