Tuesday , April 30 2024
PHILIP OLDHAM/BPI/REX/SHUTTERSTOCK/TT

ሊቨርፑል ንግጥማት በዓል ልደት ብዓወት ትጅምሮ!

ኣብጹቡቅ ኣቃውማ ትርከብ ክለብ ሊቨርፑል ናብ ወልቭስ ጌሻ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ብ ሳላሕን ፓንዳይችን ኣብ መበል 18ን 68ን ደቃይቅ ብዘመዝገብወን ሽቶታት  2 ብ 0 ተዓዊታ።

በዚ መሰረት ንሰሌዳ ፕሪመር ሊግ ብ 4 ነጥቢ ብምምራሕ ናብ ንብዓል ልደት ብመርሒነታ ብምጽንባል ዕለት ሮብዕ ናብ ግጥማት ቦክሲን ማች ክትጽንበር እያ ።

ማንቸስተር ሲቲ ሎሚ ኣንጻር ክርሳል ፓላስ ግጥማት ይጽበያ ብምህላው ነቲ ተነጺፉላ ዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ሓያል ጸወታ ከምዝኸውን ይግመት።

ካልእ ተባሃጊ ናይ ሎሚ ጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድ ብ ሓዱሽ ዓላሚኣ ኦሌጉናር ሶልሻየር ተምሪሓ ኣንጻር ካርዲፍ ተካይዶ እዩ።

እዚ ጸወታ እዚ ድሕሪ ምብራር መሪኖ ተጻወቲ እዛ ጋንታ በዓል መን ይወርዱ እንታይ ዓይነት ጸወታን ውጺኢትን ሒዞም ይቀርቡ ስለ ዝግምገም ተበሃጊ ይገብሮ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com