Tuesday , April 30 2024
Marcus Ericsson/TT

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢሚግሬሽን ኣብ ሕቶ መንነት ሓተትቲ ዕቚባ ኣገዳሲ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ውሳኔ ዘተኣታተዎ ሓድሽ መትከላት ሓተትቲ ዕቚባ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦም መንነቶም ከረጋግጹ ግድነት ኣይሕተቱን እዮም።

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን እዚ ውሳነ ብዓርቢ ንግሆ እተመሓላልፈ ኮይኑ ኣብ ዒራቕ ብሓይልታት ፐሽመርጋ ምክልባት ከም ዘጋጠሞ ዝገለጸ ሓታቲ ዕቚባ ንገልግሎት ኢሚግሬሽንን ቤትፍርዲ ይግባይ ብዛዕባ መንነቱ ከእምኖም ዘይምኽእሉ ከም ኣብነት ቀሪቡ።

ፕረዚደንት ቤትፍርዲ ይግባይ Dag Stegland እዚ ውሳነ ሓተትቲ ዕቚባ መንነቶም ከምስክሩ ኣብ ዓቢ ግድል ዝእቱ ብምንባሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ ብምባል ገሊጽዎ’ሎ።

ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ኣብያተፍርዲ ይግባይን ነዚ ጥርዓን እኳ እንተነጽግኦ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኢሚግሬሽን ግና ንውሳነ ቤትፍርዲ ይግባይን ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።

Stegland እዚ ውሳነ ሕቶ ዕቚባ ኣብ ኣብያተ ፍርዲን ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ብኸመይ እዩ ክረአ ኣብ ዝብል ዓቢ ለውጢ ክገብር ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com