Tuesday , April 30 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ብማይ ዘይትትርክስ ልቢ ………..

ኣብ ኣስመራ ኢዩ፡ ኣብ ከባቢ 2000። ሓደ ቖልዓ ኣብ ሓደ ብዘይ ወግዒ ዝሓዝኦ ኣንጎሎ ኮይኑ ረጒድ ዝዓይነቱ መወጽ ይሸይጥ። ንሓንቲ መወጽ (ሓባ) 50 ሳንቲም ኢያ፡ ግን ንስኒ ከም በረድ ኢዩ ዘጻዕዱዎ። ስኒ እንተ ዘይብልካ ድማ፡ ስኒ ከም ዘሎካ ኣብ ኣፍካ ሰዂዕካ ትረኣየሉ ማለት ኢዩ።

 

ሓደ ሰብኣይ ነይሮም፡ ብዕድመ ቅሩብ ዝደፍኡ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይበርሐን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣምላኽ ንኣስናኖም ኣቐዲሙ ኢዩ ወሲዱሎም። ስለዚ መወጽ ኣየድልዮምን፡ ግን ይናፍቑዎ፡ ይረኣዮም ቀደም ኣብ መንጎ እዝኖምን ጸጕሪ ርእሶምን ሰዂዖምዎ ሸናዕ ኪብሉ ከለዉ። ኣየ’ወ፡ ከም ሎሚ ጓህማም ከይኮኑ!

 

እዞም ሰብኣይ ጡረተኛ ስለ ዝነበሩ፡ ሓድሓደ ግዜ ኢዮም ካብ ገዝኦም ብምውጻእ ቅሩብ ተዛዊሮም ዚምለሱ። ኣብቲ ዑደቶም ድማ በታ እቲ ቆልዓ፡ በዓል መወጽ፡ ዝነግደላ ኣንጎሎ ይሓልፉ ነይሮም፥

 

” እስኪ’ዚ ወደይ፡ ኣነኳ መወጽ ካብ ዘቋርጽ ዓመታት ኢዩ ሓሊፉ፡ ግን መተባብዒ ክኾነካስ ክዕድገልካ … ክንደይ ኢያ ንሓንቲ መወጽ?” ይውከሱ እቶም ሰብኣይ።

” 50 ሳንቲም” ይምልሽ በዓልመወጽ።

”በል ናይ ሓንቲ መወጽ 50 ሳንቲም እነሀ፡ እቲ መወጽ ግን ንኣኻ ሓዞ፡ ንኣይ ምንም ዋጋ የብሉን” ብምባል ከፊሎም መገዶም ይቕጽሉ።

 

ከምዚ እናገበሩ፡ ማለት ንዘይወስዱዎ መወጽ፡ ግን ንመተባብዒ ብማለት፡ 50 ሳንቲም እናለገሱ፡ ገለ ሰሙናት ይሓልፍ።

 

ኣብ ሓንቲ እዋን ግን፡ ነገራት ይልወጥ።

 

”እስኪ’ዚ ወደይ፡ ሕጂ ድማ ሓንቲ መወጽ እንድየ ክዕድገልካ፡ ግን ከምቲ ዘልመድኩኻ መተባብዒ ኪኾነካ፡ ነቲ መወጽ ሓዞ፡ 50 ሳንቲምካ ግን እነሀ” ብምባል 50 ሳንቲሞም ኣረኪቦም ሓንቲ ስጕሚ ከይከዱ ከለዉ፡ ካብቲ ቆልዓ ዘስደምም እዋናዊ ሓበሬታ ይመጾም፥

 

”ኣቦ ………  መወጽ ደኣ ወሲኻ’ንድያ!……………


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com