Tuesday , April 30 2024

ሓንቲ ዓለም፣ሓላፍነታውን ሓባራውን ጕዕዞ (A Space Odyssey)

ኣማኑኤል ሳህለ
 
ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብሑጻ ዝመልአ መሬት ቀው ኢልካ ጠሚትካዮ ትፈልጥፍዶ? ነቲ ሑጻ ብኢድካ ዓሚዅካ ኣብ ግናዕ ኢድካ ጌርካ ተመልኪትካዮ ትፈልጥዶ? ሓንቲ ፍረ ሑጻ ፈሊኻ ንኽትርእያ ኣዚዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣዚያ ደቃቕ ስለ ዝኾነት።
 
እቲ ኣብ ኢድካ ዓሚዅካዮ ዘሎኻ ሑጻ፡ ሚልዮናት ጸጸር ዝሓዘ ብምዃኑ ንምቝጻሩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ከምቶም ኣብ ህዋ ዘለዉ ከዋኽብትን ፕላነታትን ጋላክሲታትን ጌርካ እንተ ሓሰብካዮ፡ እታ ኣዒንትኻ ኣጨምጪምካ ብኽንደይ ጸገም ክትርእያ ዝፈተንካ ፍረ ሑጻ፡ ንሳ ከምዛ እንነብረላ ምድሪ ኢያ!
 
ኣብቲ ካብ ሑጻ ባሕሪ ዝበዝሑ ኸዋኽብትን ፕላነታትን ጋላክሲታትን ሒዙ ዘሎ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ዩኒቨርስ ወይ ህዋ፡ ዓለምና ከምታ ኣብ ኢድካ ዘላ ፍረ ሑጻ ኢያ፡ አረ ካብኣ ትንእስ። ብህዋዊ ወይ ዩኒቨርሳዊ ዓይኒ፡ ዓለምና ብማይክሮስኮፕ ጌርካ ጥራይ ክትረአ እትኽእል ኣካል ኢያ፡ ዋጋ ዘሎዋ’ውን ኣይትመስልን።
 
ዋጋ ኪህሉዋ ዚገብራ ግን፡ እቶም ኣብኣ እንቕመጥ ሰባት ጥራይ ኢና። ሰብ ዚቕመጦ ቦታ ኩሉ ግዜ በቲ ተቐማጢ ዋጋ ይወሃቦ ኢዩ።
 
እዛ ከም ገፈል ዝምድቃቓ ዓለምና፡ ነታ ብዩኒቨርሳዊ ኣረኣእያ ከምኣ ገፈል ዝኾነት ጸሓይ ምስ ሻምናይ ርእሳ ኾይና ክትዞራ ትነብር ኣላ። እተን ሸሞንተ ካልኦት ፕላነታት፡ ሰብ የብለንን። እታ ታሽዐይቲ (ወይ ከኣ ኣብ ሳልሳይ ሪጋ ተሰሪዓ ዘላ) ዓለምና ግን ሰብ ኣለዋ።
 
ዓለምና ሰብ ኪህሉዋ ከሎ፡ እተን ሸሞንተ ኣሓታ ግን ሰብ ንኸይህልወን ዝገበረን ናይ ማይን ምቘትን ኣየርን ዘይምጡንነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣከባብያዊ ኩነታተን ንሰብ ዘይምችእ ብምዃኑ፡ ከም እተረሰዐ ዑና (ከምቲ ናብ ዋናኡ ከይተመልሰ ዝተረፈ ናይ ቀበሌ ገዛ )ኮይነን ትም ኢለን ንጸሓይ ኪዖዳኣ ይነብራ ኣለዋ። ምናልባት ደኾን ቀደም ሰብ ነይሩወን ይኸውን? እንድዒ?
 
ዓለምና ኣስታት 8 ቢልዮን ዓቕሊ ዘይብሎም፡ ሕለፍያ ዚበሃሃሉ፡ ኪተሃላለኹን ኪፈኻኸሩን ዚነብሩ ሰባት ሒዛ ኢያ ከም ሓንቲ ተነቃፊት መርከብ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ትንሳፈፍ ዘላ። ተነቃፊት ዚገብራ ኸኣ፡ እቲ ስሑው ዝኾነ ጕልባብ ኣየራን (ኣትሞስፈር) ናይ ወድሰብ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ኢዩ።
 
ጕልባብ ኣየራ ካብቲ ካብ መሬት ዚነቅል ናይ ኢንዱስትሪን ካልእ ኣፍረይቲ ተቕዋማትን ትክታት እናተበላሸወን እናተመረዘን ይኸይድ ኣሎ። እቲ ባሕርታታን ኣኽራናታን ጫካታታን ድማ ብብዝሒ ሰብን ብዕሽነቱን ኪብከል ይውዕል ኣሎ። ከምዚ እንተ ደኣ ቐጺሉ፡ ዓለም ናብቲ ሰብ ኪቕመጠሉ ዘይክእል ፕላነት ንኽትልወጥ ግዜ ኣይኪወስደላን ኢዩ።
 
ሓንቲ ንእሽቶ ቆልዓ፡ ንኺጥዕም ለታይ ንበላ፡ ምስ ኣደኣ ኣብ ኣውቶቡስ ትስቀል። ናበይ ትኸይድ ከም ዘላ ግን ኣይትፈልጥን። ኣደኣ ግን ናበይ ከም እትኸይድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ከም እትወርድ፡ ክንደይ ከም እትኸፍል፡ ኣበይ ኮፍ ክትብል ከም ዘሎዋ፡ ምስ መን ክትዛረብ ከም ዚግባኣ፡ መዓስ ክትምለስ ከም ዘሎዋ፡ ወዘተ፡ ኩሉ ትፈልጥ ኢያ።
 
ኣብታ ኣውቶቡስ ዘለዉ ሰባት ብዙሕ ዚዛመዱን ዚፋለጡን ኣይኮኑን። ግን ዝኾነ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ነገራት ምስ ዚጓነፎም፡ ብሓደ ኪምክቱሉ ምዃኖም ስለ ዚፈልጡ፡ ክሳዕ ናብቲ ዚወርዱሉ ቦታ ዚበጽሑስ፡ ዳርጋ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢዮም።
 
ሽፍታ እንተ ኸተሩዎም፡ ብሓደ ኢዮም ኪለዓሉ። ኣውቶቡስ ምስ እትስበር፡ ኩላቶም ወሪዶም ኢዮም ኪደፍኡዋ። ኣውቲስታ ትኽስ ምስ ዚብል ድማ፡ ኩላቶም ኢዮም ኪግስጹዎ።
 
ለታይ ግን እዚ ኹሉ ኣይትፈልጥን። ትም ኢላ ኢያ ዘላ። ኣብ ከባቢኣ እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ኣፋፍኖት የብላን። ምስቲ ኣብ ጥቓኣ ዘሎ ከምኣ ህጻን ዝኾነ ፍጡር ግን ስሕት ኢላ ትዛረብን ትስሕቕን። እንሓንሳእ ከኣ ንኣዲኣ፡ እዚ እንታይ ኢዩ፡ ብምባል ሕቶ ተቕርበላ።
 
ለታይ ከምዚ መግበሪኣ ወይ ከምዚ ምዃና፡ ህጻን ስለ ዝኾነት ኢዩ። ምስ ዓበየት ግን፡ ኣብ ጕዕዞ ኣውቶቡስ ዘለዋ ኣረኣእያ ኣዚዩ ኪልወጥ ኢዩ።
 
ለታይ ሕጂ ጓል 15 ዓመት ኢያ። ጎቢዛ። ባዕላ እንዳ ኣውቶቡስ ከይዳ ባዕላ ከፊላ ትጐዓዝ። ናበይ ትኸይድ ከም ዘላ፡ ስለምንታይ ክትገይሽ ከም ዘሎዋ፡ ኣበይ ክትወርድ ከም ዘሎዋ፡ ምስ መን ክትራኸብ ከም ዘሎዋ፡ ወዘተ. ኩሉ ትፈልጥ ኢያ።
 
እምበኣር፡ ወድሰብ ከኣ ከም ለታይ ኢዩ። ዓለም ከኣ ከምታ ኣውቶቡስ ኢያ። ወድሰብ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ዓመታት ይገብር፡ ጌና ህጻን ከሎ (ማለት ኣብ በዓትታት ኪቕመጥ ከሎ) ናይዛ ዓለም ጕዳይ ብዙሕ ዚዓጦ ኣይነበረን። ነዛ ኣብ ህዋ ከም መርከብ እትንሳፈፍ ዓለምና ተወጢሑዋ፡ ንተፈጥሮ ከም ኣደኡ ወሲዱ፡ ቀሲኑ ትም ኢሉ ጕዕዞኡ ይቕጽል ነይሩ።
 
ሕጂ ግን ዓቕሚ ኣዳም በጺሑ፡ ንተፈጥሮ ዳርጋ ኣብ ቍጽጽሩ ኣእቲዩዋ፡ ንዓለም ፈታፊቱ ተመራሚሩላ፡ ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ መኣስ ኪወርድ ከም ዘለዎን፡ ምስ በዓል መን ይነብር ከም ዘሎን፡ ብሰላም ኪነብር እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎን፡ እንታይ ኪዛረብ ከም ዘለዎን፡ መኣስ ኪዛረብ ከም ዘለዎን፡ ወዘተ. ኩሉ ይፈልጥ ኢዩ።
 
ስለዚ፡ ነዛ ኣብ ህዋ እትንሳፈፍ ዘላ፡ ብዩኒቭርሳላዊ መዐቀኒ ኣብ ቍጽሪ ዘይትኣቱ ዓለምና፡ መታን ሒዛትና ኣብ ገደል ከይትኣቱ፡ ብኹለንትናኣ ክንሓልየላን ክንዕቅባን ይግበኣና።
 
ኩልና ኣብ ሓንቲ መርከብ ወይ ኣውቶቡስ ስለ ዘሎና፡ ኩሉና ፈቲና ጸሊእና ኣሕዋት ኢና። ኩሉና ሓደ ፍጥረት ኢና። ሓደ ህዝቢ ካብ ካልእ ህዝቢ ኣይበልጽ ኣይሓምቕ፡ ኣይንእስ ኣይዓቢ። ቀያሕትና፡ ጸለምትና፡ ጸዓዱና. ኩሉና ተሳፈርቲ መርከብ ኢና። ኩሉ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ነገራት፡ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብሓደ ኢና እንካፈሎ።
 
ነዚ ከቢቡና ዘሎ ዩኒቨርስን ብኣኡ ኣቢሉ ኸኣ ንዓለምን ኣብኣ ዚነብር ኩሉን ፈጣሪ ኣለዎ። ሓደ ፈጣሪ፡ ሓደ ወድሰብ፡ ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ዕላማ፡ ሓደ ጽሕፍቶ።
 
ዓለም ክትድሕን እንተ ደኣ ኾይና፡ ኩሉ ሰብ ኪሓብር ይግባእ። ባዕሉ ብወለንትናኡ እንተ ሓቢሩ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይሓቢሩ ድማ ዘሕብር ሓደጋታት ኪጓነፎ ግድን ኢዩ።
 
ከምቲ ሓንቲ ኣውቶቡስ ክትግልበጥ ምስ ቀረበት ኩሉ ተሳፋራይ ብሓደ ኾይኑ እዝጊዮ ዚብል፡ ንህላወ ዓለምና ዘስግእ ኩነታት ምስ ዚፍጠር ድማ፡ ኩሉ ሰብ ተሰማሚዑን ሓቢሩን ንሓንትን መተካእታ ዘይርከባን ዓለም ህይወቱ ከም ዚስውእ ዘጠራጥር ኣይኮነን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com