Tuesday , April 30 2024

ሓደ እሱር ብልዕቱ ይቖርጽ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ፖሊስ ሽወደን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምምሕዳር ኩልማ ኦሬቢ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኲነታት ኣጋጢምዎም።

እቲ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ጒዳይ ሓደ ብዙሓት ሰባት ብምቕታል እተወንጀለ እሱር ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብልዕቱ ምቚራጹ እዩ።

እዚ ክስተት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት እዩ ኣጋጢሙ።

ብመሰረት ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ፖሊስ ሓደ እሱር ብዙሕ ደም ከምዝፈሰሶ ምስ ረኣዩ ናብ ሆስፒታል ይወስድዎ።

እቲ ወዲ 40 ዓመት እሱር ኣብ ዝደቀሰሉ ሆስፒታል ብጽኑዕ ይሕሎ ምንባሩን ጥዕናኡ ንህይወቱ ዘስግእ ዘይምንባሩን እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ጠቒሳ’ላ።

እቲ ሰብኣይ ድሕሪ ምሕዋዩ ናብ ናይ ብሕቲ ክፍሊ ከም ዝሰጋገር ተጌሩ ውሽጣዊ መርመራ ቀጺሉ።

ናይ ኣእምሮ ወይ ስነልቦናዊ ክንክን የድልዮ እንተኾይኑ ኽኣ መኺሮም ምንባሮንም ጉስታቭሰን ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com