Tuesday , April 30 2024

ሓደ ፖለቲከኛ ኣብላ ስቨርያ ዴሞክራሲ ብምትላል ተኸሲሱ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ።

፡ኣቐዲሙ ፖለቲከኛ ሰልፊ ስቨርያ ዴሞክራሲ ዝነበረ ስቴፋን ጃኮብሰን ብምኽንያት ፋይናንሳዊ ምጥፍፋእ ተኸሲሱ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ’ሎ። ንሱ ብመልክዕ ቀረጽ ንዝረኸቦ ገንዘብ ናብ ናይ ግሊ ረብሓኡ ከውዕል ብምጽንሑ ከም እተኸሰ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ’ላ።

ዓሚ እታ ጋዜጣ ብዛዕባዚ ምጥፍፋእ ክትጽብጽብ ኣብ ምጅማራ እቲ ፖለቲከኛ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከም እተገብረ ይዝከር። እዚ በዓልመዚ ኣብ ባይቶኣዊ ቤትጽሕፈት ይሰርሕ ምንባሩ ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com