Tuesday , April 30 2024
Naina Helen Jåma/TT

መራሒ ሊበራላውያን ዝኾነ Jan Björklund ኣብዚ ዓመት’ዚ ንምርጫ ከም ዘይወዳደር ኣፍሊጡ።

ኣብ ከቢድ ውሽጣዊ ክርክር ናይ ዝርከብ ሰልፊ መራሒ ዝኾነ Jan Björklund ኣብዚ ዓመት’ዚ ንምርጫ ከም ዘይወዳደር ኣፍሊጡ።

“ን 12 ዓመታት መራሒ ሰልፊ ኮይነ ድሕሪ ምጽናሕ ንበትረ መሪሕነተይ ናብ ካልእ ዘረክበሉ ግዜ ኣኺሉ’ሎ። ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እዩ” ክብል Björklund ረቡዕ ቀትሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ነዚ ዜና ፈለማ ዝዘርግሐት ናይ ቢዝነስ ጋዜጣ Dagens Industri ኮይና መራሕ ሰልፊ Jan Björklund is ክወርድ ምዃኑ ንኣንበብታ ኣቕሪባ ኔራ።

ሓቅነት እዚ ዜና ብወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሰልፊ ምርግጋጹ እንተኾነ ግና ካብ መርበብ ሓበሪታኦም ከም ዝኣለይዎ ተገሊጹ’ሎ።

እዚ ይኹን’ምበር ብዙሓት ማዕከናት ዜና ነቲ ሓበሬታ እናተሻመዋ ስለዝወሰዶኦ ካብ ምዝራቚ ከድሕኖ ኣይከኣለን።

Björklund ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ሰልፊ ን 12 ዓመታት ጸኒሑ’ሎ። ሊበራላውያን ኣብ ሽወደን ካብቶም ዝነኣሱ ሰልፊታት እዮም እንተኾነ ሕጂ ኣብ ምምራሕ ዘሎ ጸጋማዊ ሰልፊ ንኽቐውም ወሳኒ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

ብመሰረት ስምምዕ ኣርባዕቲኦም ሰልፊታት እዚ ሰልፊ ናይ ላዕለዋይ ቀረጽ ሕድገት ክግበረሉ ተጌሩ እዩ። እንተኾነ ንሶሻል ዴሞክራሲን ሓምላይን ሰልፊ ዘሎ ድጋፍ ምሉእ እዩ ማለት ኣይኮነን።

ብዙሓት ሊበራላውያንን ብዙሓት ውሽጣውያን መራሕቲን Björklund ካብ ስልጣን ክወርድ ደፊኦም እዮም። ሽማግለ ምርቃሕ ሊበራላውያን ሕዳር ኣብ ዝካይድዎ ጒባኤ ዝሳተፉ ሕጹያት ኣብ ምልላይ ይተግህ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com