Tuesday , April 30 2024
Ruud, Vidar/TT

መንግስቲ ኖርዌይ ዳይሬክቶሬት ሰደተኛታት ንውዕል ዳብሊን ክምርምሮ ጸዊዑ።

ብዘይ መሰነይታ ዑቕባ ዝሓቱ ቆልዑ ከምኡውን ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ስድራ ጥርዓኖም ኣብ ኖርዌይ ዘይኮነ ኣብ ግሪኽ ክሳብ ዝምርመር ጉዳዮም በዚ ውዕል እዮም ዝከታትልዎ።

ዳይሬክቶሬት ሰደተኛታት ብዘይካዚ ነቲ ብሰብመዚ ግሪኽ ዝቐረበ ኖርዌይ ናይዞም ዑቕባ ዝሓቱ ቆልዑ ጉዳይ ክትከታተል ዝጠልብ ሕቶ ብመሰረት ሳልሳይ መትከል ስርዓተ ደብሊን ከም ዝነጸገቶ ብሉምበርግ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ሚኒስተር ፍትሒ ቶር መከል ዋራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ ኖርዌይ ናይዞም ብዘይ መሰነይታ ዑቕባ ዝሓቱ ቆልዑ ከምኡውን ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ስድራ ሓላፍነት እንተወሲዳ፡ ስድራቤታት ደቆም ብዘይ መሰነይታ ክልእኩን ነዚ ዘሎ ቅለውላው መላእ ኣውሮጳ ከጋድድዎን እዮም ኢሉ።

እዚ መምርሒታት ዝመጸ ዳይሬክቶሬት ሰደተኛታት ዘውጽኦ እማመታት ብሚኒስተሪ ፍትሒን ማሕብራዊ ጸጢታን ብመትከል ተቐባልነት ምስ ረኸበ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com