Tuesday , April 30 2024

ማልታ 49 ስደተኛታት ዝሓዛ ክልተ መራኽብ ትቕበል።

ማልታ 49 ስደተኛታት ዝሓዛ ክልተ መራኽብ ንሰሙናት ዝኣክል ኣብ ባሕራ ከንሳፍፋ ከተፍቅድ ምዃና እዞም ስደተኛታት ከኣ ናብ ሸሞንተ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክከፋፈሉ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣታ ሃገር ብረቡዕ ኣፍሊጡ።

እዛ ሲዋች እትበሃል ብጀርመናዊ ገባር ሰናይ እትመሓደር መርከብ ብታሕሳስ 22 ኣብ ወሰናስን ሊብያ ንዝተረኽቡ 32 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ምድሓና ይዝከር፡ ብግንቦት 29 ሲኤ ዝተባህለ ጀርመናዊ ናይ ረድኤት ትካል ካልኦት 17 ኣድሒኑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሃገራት ኣውሮጳ ነዞም ስደተኛታይ ምቕባል ድሕሪ ምእባየን እተን መራኽብ ብዘይ መዓልቦ ኣብ ባሕሪ ነዮ ነጆ ከንሳፍፋ ምጽንሐን ተፈሊጡ”ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com