Tuesday , April 30 2024
Mexican national flag (AP Photo/Marco Ugarte) MXMU104

ሜክሲኮ፡ ንኲባንያታት መፍረ ብረት ኣመሪካ፡ ትኸስስ

ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣጽዋር ክጋደድ ዝገብሩ ዘለዉ ዓበይቲ ኲባንያታት መፍረ ብረት ኣመሪካ እየን ክብል መንግስቲ መክሲኮ ከሲሱ።

እዘን ኲባንያታት ብረተን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ይዘዋወርን ምኽንያት ሞት ይኸውን ምህላዉን እናፈለጣ ምንም ኣይገበራን ክብል እቲ ናይ ክሲ መስርሕ ገሊጹ’ሎ። መክሲኮ ካብዘን ኲባንያታት፡ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር፡ ካሕሳ ትሓትት ኣላ ዝበለ እቲ መገልጺ መወዳእትኡ መጠን ካሕሳ ዝውስን ቤት ፍርዲ ክኸውን እዩ ክብል ኣመልኪቱ።

እተን ዝምልከተን ኲባንያታት ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ዛጊት ምንም ርእይቶ ኣይሃባን። ኣብዚ ክሲ ኣትየን ካብ ዘለዋ ኲባንያታት ስሚዝ ኤንድ ዌሰን ከምኡውን ባረት ፋየርኣርምስ ብፍላይ ተጠቒሰን ኣለዋ።

እዚ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ትማል ረቡዕ ኣትሒዙ ኣብ ክልል ማሳቹሰትስ ኣመሪካ ጀሚሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com