Tuesday , April 30 2024

ሩስያ ን ኢቫን ገርሽኮቪች ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያቶ።

ጋዜጠኛ “ዎል ስትሪት ጆርናል” ኢቫን ገርሽኮቪች ብስለያ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ምኲርን ዜናታት ሩስያ ዝጽብጽብን
ገርሽኮቪች፡ ብቕድሚ ትማል ረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፥ ኣብታ ካብ ሞስኮ ብ ወገን ምብራቕ 1600 ኪሎሜትር
ርሒቓ እትርከብ ከተማ የካተንብራ ኣብ ስራሕ ምንባሩ ሬድዮ ቢቢሲ ጸብጺባ። ኣውቲስታኡ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ኣብጺሕዎ
ምምላሱን፥ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት መስመር ሞባይሉ ከም እተዓጽወን ሬድዮ ቢቢሲ ወሲኻ ኣመልኪታ። ዋይት ሃውስ ነዚ ቅየዳ
ብትሪ ከም ዝቃወሞ ገሊጹ’ሎ። ባይቶ ሩስያ ክረምሊን፡ ጋዜጠኛ ገርሽኮቪች ገበን እናፈጸመ ከም እተረኽበ እኳ እንተገለጸ “ዎል
ስትሪት ጆርናል” ግና ነዚ መግለጺ ሓሶት እዩ ክብል ኣዋዲቕዎ’ሎ። ገርሽኮቪች ብትእዛዝ ሰብመዚ ኣመሪካ ይንቀሳቐስ ምንባሩ፡
ብዛዕባ ንጥፈታት ምክልኻል ሩስያ ስኑዳት ሓበሬታታት ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዘመሓላለፈ ብምጥቃስ፥ ወኪል ድሕነት ሩስያ
ብስለያ ከሲስዎ’ሎ። በዚ ድማ፥ ወኪላት ድሕነት ሩስያ ን ገርሽኮቪች ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሞስኮ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ወረዳ
‘ሌፎርቶቮ”– ከም ዝወሰድዎን ክሳብ ግንቦት 29 ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ከም ዝኣዘዙን ተፈሊጡ። ጋዜጠኛ ገርሾቪች ነቲ ወንጀል
ኣይፈጸምኲን ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ።

31 ዝዕድሜኡ ገርሽኮቪች፥ ብናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ብጽቡቕ ፍሉጥ ሰብ እዩ ። ኤዲተር ዜና ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግን
“ገርሽኮቪች ኣዝዩ ዲሲፕሊን ዘለዎን ንፉዕን ጋዜጠኛ እዩ” ብምባል ይገልጾ። እዚ እናኾነ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ
ብሊንከን ብ “ብማእሰርቲ ገርሽኮቪች ምሽቓሉ” ገሊጹ።
ኣብ ሩስያ ናይ ስለያ ወንጀል ምፍጻም ክሳብ 20 ዓመት ከቕጽዕ ከም ዝኽእል ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com