Wednesday , May 1 2024
ብናስሮቪች

ስዕረት ብናስሮቪች “ገሊኣቶም ስዕረታት ሓለፋ ዓወት ይምቅሩ” ሞንታኝ

ዓወትን ስረትን ክልተ ፊጺሞም ክዕረቑ ዘይክእሉን ኣንጻራውንን እዮም ዝመስሉና፡፡ ብዘይ እቲ ሓደ እቲ ካልእ ትርጒም ዝስእን ክሳብ ዝመስሉና መብዛሕትኡ እዋን ከም ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሳንቲም ኮይኖም እዮም ዝቐርቡ፡፡ ኩልሳዕ ከምኡ እዩ ማለት ግና ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ተዓዋቲ ዘይብሉ ስዕረት ዘሎ ፤ ብዓወት ዝዛዘም ስዕረት ከኣ ኣሎ እዩ፡፡ ዓወትን ውድቀትን ከም ሌጣ ጻዕዳን ጸሊምን ጌርና ክንርዳኣ እንተ ፈቲንና ህይወትና ከም ላቦራቶሪ ብዙሕ ዓወትን ስዕረትን ጌርና ክንጽብጽባ ክንድረኽ ኢና፡፡ እዚ ጽቡቐ ድርኺት ኣይኮነን፡፡

ኣብ ቈራሪ ከባቢ ኣውሮጳ ዝርከቡ ብልምዲ ሸውዓተ ቐርኑ እናተባህሉ ዝፍለጡ እንስሳ ናይ ምጽማድ ወቕቲ ምስ ዝኣቱ ንሓድሕዶም በቕርንቶም ናይ ምቅላስ ልምዲ ኣለዎም፡፡ እቲ ኣብዚ ቅልስ ዝተሰዓረ ሸውዓተ-ቐርኑ መጠን ቴሰተስትሮን እተባህለ ነዝዒ ኣካላቱ ኣጸቢቑ ክንኪ እንከሎ ናይቲ ዘስዓረ ግና ይውስኽ፡፡ በዚ ድማ እቲ እተሳዕረ ነተን ደቀንስተዮ ናይ ምፍራይ ዝነበሮ መሰል ነቲ ሰዓራይ ይገደፈሉ፡፡ ሰነ-ኣእምሮ ሰባት ብኸምዚ ድዩ ዘሰርሕ ወይስ ብኻልእ ብዘየገድስ ሰባት እውን ኣብ ቅልስ ተመሳሳሊ ናይ ምቕባጽን ምጽንቃቕ ባህጊ የርእዩ እዮም፡፡ ኣንቱዋን ደሰት ኣግዠፔ “ስዕረት ማለት ምድኻም፡ ምጥፋእ ኣንፈት፤ ምስልቻው ኮታ ኣብ ሓደ ነገር ትርጉም እናሰኣንካ ምምጻእ” ብምባል ይገልጾ፡፡

ኣብ ዓወት ይኹን ስዕረት እቲ ወሳኒ ነገር ክብረት ተቓላሳይ እዩ፡፡ “ምስ ክብረትካ ዝወርደካ ስዕረት ካብ ብዓሎቕ እትረኽቦ ዓወት ይሕረ” ይብል ሓደ ካራክተር ሶፎክለስ፡፡ ካብ ስዕረት ንላዕሊ ጥቓ ዓወት ኣብ ምብጻሕካ ዘጋጥም መኻልፍ ከም ዘጒሂ ብዙሓት ይሰማምዑ፡፡ ንሓደ ነገር ክትረክብ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ብዙሕ ዓይነታት ስዕረት (ፍሽለት) ምህላዎም ክትግንዘብ ኢኻ፡፡ ባህርያትና ብቲ ንኽንዕወት እንገበሮ ቃልሲ እዩ ዝድረኽን ዝቕለስን፡፡ ንቃልስና ዋጋኡ ዘዓዘዘ ዝገብሮ ዓወትና ዘይኮነስ ዘሕለፍናዮ ፍሽለታት እዩ፡፡

ንእተፍቅረካ ወይ ዝፈትወካ ሰብ ምንብርካኽ ስዕረት ተጎልቢቡ ዝመጽእ ዓወት እዩ፡፡ ሮቸስተር ዝተባህለ ሓደ ገጸባህርይ ንጄን ዝተባህለት ብደርቢን ሃብቲን ትሕቲኡ ዝኾነት ጓለንስተይቲ “ብዙሕ እዋን ኣብ ህይወት ተሳዒረ እየሞ ከምዚ ዘለ ጥዑም ስዕረት ግና ኣይጋጠመንን” ክብል ብፍቕራ ምንብርካኹ ገለጸላ፡፡ እወ!  ጥዑም ስዕረት ኣሎ! ካብ ብደዐን ደም ምፍሳስን ትዕቢትን ዝሓጽበካ ምንብርካኽ ተደላዪ ስዕረት እዩ፡፡ ካብ ንፉግ ናብ ሃያብ ዝቕይረካ ናይ ስዕረት ተመኲሮ–ዓብዪ ናይ ዓወት እምብል እዩ፡፡ እትመሃረሉ፤ ካብ ዶግማዊነት ናብ ስፍሓት ኣተሓሳሰባ እትድይበሉ፤ ዝያዳ ሓይሊ ክትድልብ ዝገብረካ ስዕረት እትሃድሞ ዘይኮነስ ክጋጥመካ እትምነዮ እዩ፡፡ ሰፒኖዛ እተባህለ ፈላስፋ “ልቢ ሰብ ብዓርሞሽሽ ኣጽዋር ዘይኮነ ብፍቕሪን ብትዕግሰቲን እዩ” ይብል፡፡ እቲ ዝዓበየ ዓወት ነቶም ሞትካ ዝምነዩ ዝነበሩ ሰባት ፈተውትኻ ምግባር እዩ፡፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ምቕያር እዩ እቲ ዝዓበየ ዓወት፡፡ ንሰባት ምቕታል ካብ ስዑርን ፈራህን ዝምንጩ ኣገባብ እዩ፡፡ ካብ ኣፍ ጸላኢ እውን ይውጻእ ስነመጎታዊ ምዃኑ ብልክዕ ንዝኣመንካሉ ሓሳባት ኣኽብሮት ምርኣይ እውን ካልእ መርኣያ ዕዉት ሰብ እዩ፡፡

ዝሓሸ ሓሳባት ብዝደኸመ ሓሳባት ኣብ ዝሳዓረሉ ዝመረረ እዋን እውን እንተኾነ ስዕረት ከም ሓድ ዕድል (ጸጋ) እዩ ከረአ ዘለዎ፡፡ ርግጽዩ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩንታት ስዕረትካ ምቕባል ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኣብዚ ብዘይፍትሓውነት ዝልለ ኣድማስ እናነበርካ ዘየለ ሓሳባውነት ከሰንፈካ ግቡእ ኣይኮነን፡፡ ሕፍቲ ዘይብሉ ፍትሒ ኣብ ኣእምሮና ጥራይ ዝርከብ ሓሳባት እዩ፡፡ እንተኾን ግና ውድትካ ይኹን ስዕረትካ ብዕላማ ከም ዝጋጠም  ክትመሃረሉ እትኽእል ዕድል ጌርካ ምሕሳብን ልቦና እዩ፡፡          


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com