Tuesday , April 30 2024
Vilhelm Stokstad/TT

ሽወደን ልዕሊ 100 ኣብያተ ጽሕፈታት መራኸብቲ ስራሓት ትዓጹ ኣላ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት Arbetsförmedlingen ፖለቲከኛታት ባጀት ክቖርጹ ምኻኖም ድሕሪ ምፍላጦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ማእከላቱ ካብ ፍርቆም ንላዕሊ ክዓጽዎም ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ካብተን ዘለዋኦ 242 ናይ ውሽጢ ሃገር ስርሓት ነተን 130 ክዓጽወን ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ውሳነ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ንኡሳንን ማእከሎትን ማእከላት ክሃሲ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዜና እቲ ትካል 4500 ካብ ሰራሕተኛታቱ ከፋኑ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ዝስዕብ ዘሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ የማናዊ ክንፊ ጸጋማዊን ማእከላይ ሊበራላውን ሰልፊታት ባጀት እዚ ትካል ክቚረጽ ብባይቶ ድሕሪ ዝጽደቓኦ ሓድሽ ባጀት እዩ።

ዳይረክተር ጀነራል ናይቲ ትካል Mikael Sjöberg “ኣብ ምላእ መርበብ እቲ ትካል ዓበይቲ ለውጢታት ከይገበርና ከምዚ ዝበል ዓብዪ ምጒዳል ሰራሕተኛታት ክርነግብር ኣይንኽእልን ኢና” ይብል።

ብተወሳኺ ብዝሒ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ካብ ዓበይቲ ከተማታት
ኣብ ዘሎ ኣብያተ ጽሕፈታቶም ክቅነሱ ምኻኖም እቲ ጀነራል ዳይረክተር ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ኣገልግሎት ካብ ወርሒ ኣብ ዝውሕድ ግዜ ኣየኖት ማእከላት ክዕጸዉ ምዃኖም ከፍልጥ ትጽቢት ተጌርሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com