Tuesday , April 30 2024
Credit: Marko Säävälä/TT

ሽወደን፥ ሓድሽ ሕጊ ጸረ ግብረ-ሽበራ ተግባራዊ ኮይኑ።

ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ግብረሽበራ ሽወደን ተግባራዊ ክኸውን ምጅማሩ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፥ ግብረ-ሽበራውያን ተባሂሎም
ንእተመደቡ ውድባት ኣኼባታት ምስራዕ፡ ሎጂስቲካዊ ይኹን ፋይናንሳዊ ሓገዛት ምሃብ፡ ቆልዑ ተሳተፍቲ ምንባይ ይዂን ንኸምዚ
ዓይነት ምትእኽኻባት መግቢ ምድላው ኲሎም ብሕጊ ዘሕትቱ ተግባራት ክኾኑ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክሳተፍ
እተረኽበ ሰብ ከከም ክብደት እቲ ገበን፥ ካብ ክልተ ዓመት ክሳብ ንሕልፈት ማእሰርቲ ክፍረድ ተኽእሎ ክህሉ እዩ። እዚ ካብ ሎሚ
ኣትሒዙ ተኣታትዩ ዘሎ ሕጊ፥ ኣብ 2017 ኣብ ስቶክሆልም ድሮቲንጋተን ድሕሪ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ እዩ ነዚ ናይ
ሕጂ ቅርጹ ክሕዝ ክኢሉ ዘሎ። ኣብቲ መዓልቲ እቲ ግብረ-ሽበራዊ ዓባይ መኪና ሰሪቑ ናብ እኩባት መንገደኛታ ትብምዝዋር
ሓሙሽተ ሰባት ምቕታሉ ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ’ላ። “እዚ ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ግብረ-ሽበራ ነቲ ዝጸንሐ ሃጓፋት ዝመልእ እዩ” ክብል
ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶቢያስ ቢልስትሮም ሓጎሱ ገሊጹ’ሎ።
እዚ እናኾነ እዚ ሓድሽ ሕጊ ጸረ-ግብረሽበራ ቱርክ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንኽትቅበል ተወሳኺ መተኣማመኒ ክኾና
ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ተነቢሩሉ’ሎ። ሽወደን ገለ ኣባላት ናይቲ ብቱርክ፥ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብግብረሽበራነት
እተመደበ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርድ (ፒኬኬ) ተዕቊብ እያ ዝብል ክሲ ብምቕራብን ኣብ ኔቶ ዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ
ምውዳቕ ስልጣን ብምጥቃምን ሽወደን ኣባል ኔቶ ከይትኸውን ዓጊታ ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com