Tuesday , April 30 2024

ባህሊ ምጽውዋርን ጥቕምታቱን ብበሪሁሉ ብኣማን

ተጻዋርነት ከም ኣምር ክግለጽ እንከሎ ንባህላዊ ብዙሕነት፣ ክዉንነት ከባቢኻን ዓለምን ባህርያት ደቂ ሰብን ምቕባልን ምኽባርን ማለት’ዩ። ዝኾነ ሰብ ባህሊ ተጻዋርነት ከማዕብል እንተኾይኑ፣ ንጽቢብ ኣተሓሳስባ ዝብድህ ፍልጠት ክቐስም፥ ክፉትን ናጻን ምብሃሃልን ከዘውትር፥ ኣብ ፍልልያት ውህደት ንምፍጣር ክጽዕር፥ ንሰባት ናይ ሓሳብ ናጽነት ክህብ፥ ወ.ዘ.ተ ክኽእል ኣለዎ።

መለለዪ ጸዋር ባህርይ እዚ እዩ። ባህሊ ተጻዋርነት፣ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ምስፋን ዓቢ ተራ ዘለዎን ወርትግ ክንለማመዶ ዘለናን ናይ ወራዙት ባህሊ እዩ።

ብእምነቶም፣ ብኣተሓሳስባኦም፣ ብተግባሮም፣ ወ.ዘ.ተ. ካባኻ ፍሉይነት ንዘለዎም ሰባት ክትጻወሮም እንተድኣ ኴንካ ኣብ ልዕሊኦም ወድዓዉን ርትዓዉን ኣጠማምታ ክህልወካ ኣለዎ። ንናይ ካልኦት ሰባት ርእይቶን ሓሳባትን ምኽባር፣ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ወይ ባህርይ ወዲ ሰብ ንዘለካ ኣኽብሮት’ዩ ዘርኢ።

ተጻዋርነት፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰባት ንዘሎ፣ ናብ ምስሕሓብ ከምርሕ ዝኽእል ፍልልያት ኣጽቢቡ፣ ግርጭታት ኣብ ምእላይ ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እንተርኢና፣ ብሰንኪ ዘምጽዉዋር ዝኽሰቱ ፍልልያትን ምትፍናናትን፣ ናብ ደማዊ ኲናት ዘምርሑሉ እዋናት ውሑድ ኣይኮነን።

ብግዜ ኮነ ብቦታ ርሑቕ ከይከድና ብ1994 ኣብ ሃገረ ርዋንዳ ኣብ መንጎ ዓሌታት ሁቱን ቱትሲን ዝተወልዐ ግጭትን ዘስዓቦ ህልቂትን እኹል ኣብነት ክኾነና ይኽእል እዩ።

እቲ ተጻዋርነት ዝብል ኣምር፣ ምስ ዝተፈላለየ ኩነተ-ኣእምሮ ወዲ ሰብ ተኣሳሲሩ ክግለጽ እንከሎ እዩ ንምርድኡ ዝቐልል። ንኣብነት ድኹም ተጻዋርነት ምስ ሕርቃንን ርእሰ-ምእኩልነትን (Self-Centered) ምትእስሳር ኣለዎ።

ርእሰ-ምእኩልነትን ድኹም ተጻዋርነትን ብኸመይ ይተኣሳሰር? ርእሰ-ምእኩልነት ማለት ብዛዕባ ንስኻ ትሓስቦን ትገብሮን ጥራይ ምግዳስ፣ ንናይ ካልኦት ሓሳብ ግን ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ማለት’ዩ።

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ “ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ” ናብ ዝብል ግጉይ ውልቃዊ መደምደምታ የብጽሓካ። ምስ ኣተሓሳስባኻ ዘይቃዶ ሓሳብን ተግባርን ክትጻወሮ የጸግመካ። ስለዚ ካብ ሕማም ርእሰ-ምእኩልነት ንምግልጋል ጸዋር ምዃን የድሊ።

ሕርቃንን ዘይተጻዋርነትን’ከ? ቀልጢፍካ ምሕራቕ ናይ ድኹም ተጻዋርነት ምልክት እዩ። ከተረድእን ከተእምንን ካብ ዘይምኽኣል ዝመጽእ እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን ምስ ብጾትካ፣ መሳርሕትኻ፣ መማህርትኻ፣ ወዘተ. ዝፈላልየካ ነጥቢ ከጋጥመካ ንቡር’ዩ።

ነቲ እትኣምነሉ ሓቅታት ብልዙብ ኣቀራርባ ሃዲእካ ንብጾትካ፣ መሳርሕትኻ ወይ መማህርትኻ ከተረድኦም ኣብ ክንዲ ምጽዓር፣ ስምዒትካ ስዒሩካ፣ ናብ ቈይቊ እንተኣቲኻ፣ ከሎ ገና ተሳዒርካ ኢድካ ሂብካ ኣለኻ። ነቲ ሕርቃንካ መዝሚዙ ክብለጸልካ ዝደሊ ወገን ዕድል ሂብካዮ ማለት’ዩ።

ኣብ እዋን ክትዕ ኮነ ምጉት ነቲ ቀልጢፍካ ቶግ ናይ ምባል ባህሪኻ ክትገትኦ እንተዘይክኢልካ ዋላ ቅኑዕ ከለኻ “ንዓይ ጥራይ ስምዑኒ” ዝብል እምነት ዘለካ ዓይነት ሰብ ስለዘምስለካ ድርብ ወጽዓ’ዩ ዘለዎ። በቲ ሓደ ከተእምን ኣይትኽእልን በቲ ኻልእ ድማ ሰባት ኣብ ልዕሌኻ ኣሉታዊ ምስሊ ከም ዝሕዙ ትገብሮም ኣለኻ።

ተጻዋርነት፣ ናይ ምእማን ዓቕምካ ስለዘሐይል ጸላዊ ሰብ ክገብረካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ዝኾነ ባይቶ ወይ መጋብኣያ ብዓቕሊ ዝምጉቱ ሰባት ዝለዓለ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ኣለዎም። ዓቕሊ ዝሓጽሮም ሰባት ግን ካብ ከእምኑኻ ዝበሉኻ ቀልጢፍካ ክትገብረሎም ይመርጹ።

ኩል ግዜ ቀልጢፉ ዝረስን ሰብ መሊሱ’ዩ ዘርስነካ እምበር ንኽትሃድእ ኣይሕግዘካን’ዩ። “ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ” ዝብል ምስላ ሃገርና፣ ንነገራት ብትዕግስቲ ምሓዝን ክሳብ መወዳእታ ብዓቕሊ ምጉዓዝን ውዒሉ ሓዲሩ ጽቡቕ ከም እትፍደየሉ ዝሕብር’ዩ።

ዘይጻወር ሰብ ኩሉ ግዜ ኣንጻር ነብሱ’ዩ ዝሰርሕ። ካብ ንርትዒ ንስምዒት የቐድም። ሓንሳእ ናይ ስምዒት ፈረስ ሰሪሩ ክጋልብ እንተጀሚሩ ገታኢ የብሉን። ንምሸቱ ድማ ኣብ ጸድፊ ይኣቱ።

ኣብ ግዜ ዋዛን ሰሓቕን እውን ተጻዋርነት ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ዝዓበዩ ወይ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነብሩ ኣዕሩኽ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ተኣኪቦም ከም ልምዲ ብዋዛ ንሓድሕዶም እናተሸማጠጡ ምስሓቕን ምጽዋትን የዘውትሩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ሃገርና ልሙድ’ዩ።

ኣብ ከምዚ ህሞት ሓደ ካብቶም ኣዕሩኽ ቁሩብ ተጻዋርነት ዝጎድሎ እንተድኣ ኾይኑ ኣዕሩኽቱ ነዛ ጠባዩ መዝሚዞም ንሓንቲ ካብ ድኽመታቱ ኣልዒሎም ክዋዘዩ ምስ ዝጅምሩ ናይ ኩራ ምልክት የርኢ። ኣዕሩኽቱ ምናልባት እንተኣብዚሖምሉ ድማ እቲ ናይ ዋዛን ሰሓቕን መንፈስ ተዘሪጉ ናብ ባእሲን ቈይቊን ክቕየር ይኽእል።

ተጻዋርነት ብተውህቦ ጥራይ ዘይኮነ ብልምምድን እውን ክትውንኖ ዝከኣል ባህርይ እዩ። ምኽንያቱ ባህርያት ወዲ ሰብ ብተወርሶ ጥራይ ኣይኮነን ዝጽሎ። ወዲ ሰብ ካብ ከባቢኡ ዝረኽቦ ትምህርቲ እውን ንባህሪኡን ኣካይዳኡን ይጸልዎ እዩ። ስለዚ ተጻዋርነት ትዕደሎ ጥራይ ዘይኮነ ትመሃሮ’ዉን እዩ።

ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ግዜ ተጻዋርነት ብቐሊሉ እትመሃሮ ነገር ከይከዉን ይኽእል’ዩ። ኣብ ገለ እዋን ብሰንኪ ዘይተጻዋርነትካ ብዙሕ ምስ ከሰርካ ትርጉም ተጻዋርነት ክርድኣካ ይጅምር። እዚ ማለት ንተጻዋርነት ብሕማቕ ተመኩሮ ትመሃሮ።

ሰኣን ንእሽቶ ዓቕሊ ንህይወትካ ብኣሉታ ዝጸሉ ተግባር ምስ ፈጸምካ ናይ ግድን ካብ ጌጋኻ ክትመሃር ስለዘለካ ኣብ እምነትካን ኣተሓሳስባኻን ዳግመ ግምት ክትገብር ትግደድ። ተነቃፊ ሰብ ብምዃንካ ጥራይ ፈለጥትኻ ክርሕቁኻን ተነጽሎ ከጋጥመካን ምስ ጀመረ ኣብ ነብስኻ መአረምታ ዘድልዮ ባህርይ ከም ዘለካ ይፍለጠካ። እቲ ኣብ ዝኾነ ሰብ ዘሎ ማሕበራዊ ድሌት ንፍቕርን ተቐባልነትን ከኣ መወዳእትኡ ባህርያትካ ንኽትቅይር የገድደካ።

ሓይሊ ተጻዋርነት ካብ መንፈሳዊ ብርታዓ ክምንጩ ይኽእል’ዩ። መንፈሳዊ ሓይሊ ድማ ካብ ርእሰ-ምትእምማን፣ ውሽጣዊ ርግኣት፣ ዘይተጻዓድነት፣ ናይ ምምዝዛን ክእለትን ፈቃር ሕልናን እዩ ዝዉለድ። ተጻዋርነት ዓንዲ ማእከል መንፈሳዊ ሓይሊ ስለዝኾነ ድኹም መንፈስ ዘለዎ ሰብ ኣብ ውሽጡ ንተጻዋርነት ዝኸውን ቦታ የብሉን።

ነታ ዝርካባ ንእሽቶ ተጻዋርነቱ ዝፈታተን ግድል እንተኣጋጢምዎ ቀልጢፉ የንጸርጽር። ህይወት ወዲ ሰብ ብግድላት ዝመልአ’ዩ። ነፍስ-ወከፍ ናይ ህይወት ግድል ድማ ትጠልቦ ዓቐን ተጻዋርነት ኣሎ።

ብኣቋራጭ ዝስገር ግድል የልቦን። ዘጋጥመካ ዘበለ ግድላት ከከም ደረጃ ጽንኩርነቱ ንኽትፈትሖ ዝሓቶ ግዜን ሃልክን ስለዘሎ ብዓቕልን ትዕግስትን ምሓዙ ጠቓሚ’ዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ተጻዋርነት የድሊ።

ጸዋር ዘይምዃን፣ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ክሳራታቱ፣ ጉድለት ጥዕና ዘምጽእ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ፣ ዓቕልን ትዕግስትን ዘይብሎምን ንጸገማቶም ኣብ ውሽጦም ክገብሩ ዘይክእሉን ሰባት ብ11 ዕጽፊ ካብቶም ብኣንጻሩ ዝኾኑ ሰባት ብሕማም ጭንቀት ይጥቅዑ። ስለዚ ኣብ ኩሉ መዳይ ናይ ማሕበራዊ ህይወትካ፣ ማለት ሓዳር፣ ስድራቤት፣ ምሕዝነት፣ ናይ ስራሕን ትምህርትን ሌላታት፣ ወዘተ. ተጻዋርነት ከሰንየካ ይግባእ።

ነዞም ዝስዕቡ ክኢላታት ስነ-ልቦና ዝህብዎም ምኽርታት ብምትግባር ተጻዋርነት ክትመሃር ይከኣል፦

  1. ንነገራት ብዝተፈላለየ ኩርናዕ ምጥማት
  2. ሸለል ምባል ንዘድልዮ ሸለል ምባል
  3. ካብ ቈይቊን ባእሲን ምርሓቕ
  4. ዝተጋገየ ሰብ ናብ ልቡ ንኽምለስ ዕድል ምሃብ
  5. ይቕረ በሃላይ ምዃን
  6. ንናይ ካልኦት ኣረኣእያን እምነትን ምኽባር
  7. ኣተሓሳስባኻን ኣረኣእያኻን ካልኦት ንኽስዕብዎ ዘይምግዳድ
  8. ንግምታትን ልምዳዊ ኣበሃህላታትን ቦታ ዘይምሃብ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com