Tuesday , April 30 2024

ባህሊ:ቀቢላ ቻምቦሊ

ኣብ ቀቢላ ቻምቦሊ – ደቡባዊ ክፋል ኮንጎ፡ ኩሉ ጉዳያት ደቂ-ተባዕትዮ ብደቂ-ኣንስትዮ እዩ ዝፍጸም። ዕድመ መርዓ ዝበጽሐ ጐበዝ ናብ ሓትኖታቱ ብምኻድ ጓል ክመርጻሉ ይሓተን፡ እቲ መርዓ ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ምስ እንዳ ሓሞኡ‘ዩ ዝነብር። ብልምዲ’ዛ ቀቢላ፡ ጓል ካብ እንዳ ስድርኣ ስለ ዘይትወጽእ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ክልተ ዝፋተዋ መሓዙት ንሓደ ሰብኣይ ክምርዓዋ ይኽእላ እየን። ንሱ፡ ክሳብ ጽቡቕ ገይሩ ዝሓዘንን ዝተማእዘዘንን ድማ ከቢሩ ይነብር።

ደቂ-ኣንስትዮ’ዛ ቀቢላ፡ ንሓድሕደን ጽቡቕ ምርድዳእ’ዩ ዘለወን። እቲ ዘገርም ግን፡ እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ስራሕ ስለዘይብሎም ምሉእ መዓልቲ ኣብ መስተ ብምእላኽ ክባኣሱን ክቋየቑን እዮም ዝውዕሉ።

ታይላንዳውያን መግቢ ኣብ ዝበልዑሉ እዋን፡ ኣብ ባህሎም ፋርኬታ ምጥቃም ነውሪ እዩ። በብናቶም ብያቲ እናተመገቡ፡ ካብ ብያቲ ናይ’ቲ ኣብ ጐድኖም ዘሎ ሰብ ብዘይ ፍቓዱ ደስ ዝበሎም ዓይነት መግቢ ክወስዱ ድማ ንቡር’ዩ። ንሳቶም ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ዘዘውትሩ’ኳ እንተኾኑ፡ እቲ መዓልታዊ ካብ መኣዲ ታይላንዳዊት ስድራ ዘይፍለ ግና፡ ካብ ሩዝ ዝተዳለወ “ኻው” ዝተባህለ ባህላዊ መግቢ’ዩ። “ኻው” ካብ ሩዝን ሓሳኹ ባሕርን ዝተዳለወ ዓይነት መግቢ ኮይኑ፡ ብኣእዳዎም እናኽበቡ ይምገብዎ።

ኣብጓቲማላ፡ዝተገላገለትኣደ፡ቅድሚ ኣርባዓ መዓልታት ካብ ገዝኣ ክትወጽእ ኣይፍቀደላን’ዩ። እቲ ዝተወልደ ህጻን ካብ ርዅሳት መናፍስቲ ንምክልኻል ተባሂሉ፡ ኣብ የማነይቲ ኢዱ ቀይሕፈትሊ ይእሰሮ።

ኔፓላውያን ዝተወልደ ህጻን ወዲ እንተኾይኑ፡ ኣብ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ጓል እንተኾይና ድማ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ “ፓስኒ” ዝጽዋዕ ጽምብል ብምድላው፡ ነቲ ዝተወልደ ህጻን ገንዘባውን ንዋታውን ህያባት ይህቡ።

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ካሜሩን ዝነብር ህዝቢ፡ ሬሳ ዝሞተ ሰብ ከከም ደረጃኡን ሃብቱንብዓለባይግነዝ።ናይመቕርቡን ፈለጥቱን ዓለባ እናተባህለ ድማ፡ ክሳብ 50 ወይ’ውን ልዕሊኡ መግነዚ ዓለባታት ይብርከተሉ። ብኹሉ ከኣ ይግነዝ።

ኣብ ከተማ “ሌዛ”፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝካየድ ፌስቲቫል ጽላለ ኣሎ። ተሳተፍቱ፡ ነቲ ኣብ ጽላለ ዘሎ መቐረት ንምስትምቓር ብምባል’ዮም ብፍታዎም ምስ ጽሉላት ዝሰርዖም ተግባራት ዝፍጽሙ። ኣብ’ታ ናይ ጽላለ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ካብ ላዕሊ ህንጻታት ናብ ታሕቲ – ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መንገዲ ጉሓፍ ይድርብዩ። ናይ ዓሳ ሓወልቲ ብምድላው ብሓዊ የቃጽልዎን “ኣቦየ. . ኣቦየ” እናበሉ ይበኽዩን።

 ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ጻጸዝመልአናይ ጭቃዕዂላላት ብምድላው ብኣኡ ክተሃራረሙ ይውዕሉ። ኣብታ ትስዕብ መዓልቲ ካብ እስፕኞ ዝተዳለወ ናይ ላም ክዳንብምኽዳን፡ ምልክታት “ዕብድቲ ላም“ ከንጸባርቑ ይውዕሉ። ኣብተን ዝተረፋ መዓልታት፡ ነፍስ-ወከፍ ተሳታፊ ነቲ ኣጸቢቑ ይመልኮ’የ ዝብሎ ባህርያት ጽላለ ብምንጽብራቕ ንተዓዘብቲ ከዘናግዕ የምሲ። ኣብ’ዚ ፌስቲቫል፡ ነቲ ባህ ዝበለካ ነገር -ዋላ’ውን ካብ ስነ-ምግባር ወጻኢ ይኹን – ክትፍጽሞ መሰል ኣለካ። ጽሉል ስለዝኾንካ ድማ ዝሕዘልካ የለን።

ኣብሞንጎ ዶባት ሞሮኮን ኣልጀርያን ዝርከባ ቀቢላታት፡ ንዝተወልደ ህጻን ስም ንምምራጽ “ላሲም” ዝጽዋዕ ጽምብል የካይዱ። ኣብ’ዚ ጽምብል’ዚ፡ ኣቦሓጎ ወይ እኖሓጎ ናይ’ቲ ህጻን ወይ’ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ’ታ ቀቢላ ካብ’ቲ ኣቐዲሙ ብምርጫ ዝተኣከበ ዝተፈላለየኣስማት፡“ኣኽቢጥኣልዑድ” ብዝፍለጥ ልምዲ ዕጫ የካይደሉ። እቲ ኣቐዲሙ ንዕጫ ዝእከብ ኣስማት፡ ናይ ሓዎቦታት ወይ ኣኮታት’ቲ ህጻን፡ ወይ’ውን ብጅግንነቶም ዝፍለጡ ጸለውቲ ኣባላት’ታ ቀቢላ – ብሂወት ዘለዉን ዝሞቱን፡ ጓል እንተኾይና’ውን ናይ ኣሞታታን ሓትኖታታን ስም ክኸውን ኣለዎ። ዋና’ቲ ዝተመርጸ ስም ሓበኑን ሓጎሱን ንምግላጽ፡ እቲ ህጻን ኣርብዓ መዓልታት ምስ ገበረን ኣብ እዋን መርዓኡን ፍሉይ ህያብ ክህቦ፡ ብልምዲ’ታ ቀቢላ ይግደድ።

ምንጪ:internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com