Tuesday , April 30 2024
British Embassy in Kyiv, Ukraine, Monday, Jan. 24, 2022. (AP Photo/Efrem Lukatsky) XAZ107

ብሪጣንያ፡ ገለ ካብ ኣባላት ኤምባሲኣ ስሒባ

ሩስያ፡ ንዩክሬይን ክትወርራ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ሰፊኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሃገረ ብሪጣንያ፡ ኣብ ከተማ ኪዬቭ ዝነበሩ ኣባላት ኤምባሲኣ ክትስሕብ ምጅማራ BBC ሓቢራ።

ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያ እዚዩ ዝበሃል ፍሉይ ስግኣት እኳ እንተዘይወረደ፡ ፍርቂ ኣባላት ኤምባሲኣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ክግበር ተወሲኑ ምህላዉ እቶም ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣመሪካ ብወገና፡ ኣብ ዝኾነ እዋን እዚ ወራር ሩስያ ክኽሰት ከም ዝኽእል ብምግላጽ ስድራቤት ኣባላት ኤምባሲ ካብ ኪዬቭ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጌራ ምህላዋ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ሩስያ፡ ኣብ ዶብ ዩክሬይን፡ ክሳብ ሚእቲ ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣጸጊዓ እኳ እንተሃለወት ነታ ሃገር ናይ ምውራር ውጥን ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ምንም ሓድሽ ነገር ብዘይምግጣሙ እዚ ምንቅስቓስ ኤምባሲታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ቅድመ ኲነታዊ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ክብል ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ኣባላት ኤምባሲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንግዜኡ ክቕጽሉ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ጆሴፍ ቦረሊ፡ ነዚ ወጥሪ ከነጋድዶ ድሌት የብልናን ክብል ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኣባላት ውድብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝኾና ዴንማርክ፥ ስፔይን፥ ቡልጋርያን ኔዘርላንድን ሓይሊ ምክልካል ዩክሬይን ንምድንፋዕ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ናይ ውግእ ነፈርቲን ናይ ኲናት መራኽብን ይልእካ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com