Tuesday , April 30 2024
FILE - Roger Michell poses for photographers at the photo call for the film 'The Duke' during the 77th edition of the Venice Film Festival in Venice, Italy, on Sept. 4, 2020. Michell, the British stage, television and film director whose movies include the indelibly popular romcom “Notting Hill,” has died, his family said Thursday. He was 65. (Photo by Joel C Ryan/Invision/AP, File) NYET421

ተዋሳኢት ጁልያ ሮበርትስ፡ ንመዋቲ ዳይረክተራ፡ ዘለዋ ክብሪ ትገልጽ

ዳይረክተር ፊልም፡ ሮጀር ሚሸል፡ ኣብ መበል 65 ዓመቱ፡ ትማሊ ምዕራፉ ምስተሰምዐ፡ ተዋሳኢት ጁልያ ራበርትስ ምስ ካልኦት ብምዃን ናይ ሓዘን ምብጻሕ ከም ዘካየደት ተገሊጹ።

ተዓዋቲት ኦስካር ዝኾነት፡ ጁልያ፡ ምስ ከም ሮጀር ዝመሰለ ሕያዋይን ልዙብን ሰብ ምስራሕ ክብሪ እዩ ድሕሪ ምባል “ኣብ ገጹ ፍሽኽታ ተፈልዩዎ ዘይፈልጥ” ብሉጽ ዳይረክተር ምንባሩ ገሊጻ።

ብዘይካ’ዚ፡ ተዋሳይ ሳም ኒል፡ “ተፈታዉ ሰብ” ክብል ብሞት ሮጀር እተሰምዖ ሓዘን ተኻፊሉ’ሎ። “Blackbird ትብል ፊልም ሰሪሕና ምስ ወዳእና፡ ኩላትና ተዋሳእቲን ኣባላትን፡ ኣብ ኣካላትና ምስሊ ዑፍ ምውቃጥና እዝክር…ንስድራ ቤቱ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም እብል” ክብል፡ ኒል፡ ኣብ ግጽ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ገሊጹ’ሎ።

ሚሸል፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን በዓል ሓዳርን እዩ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com