Tuesday , April 30 2024

ቱርኪ፡ 50 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ስፑትኒክ ቪ ክትዕድግ ተሰማሚዓ

ሃገረ ቱርኪ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ እትርከቦ፡ 50 ሚልዮን ብልቃጥ፡ ፍርያት ሩስያዊ ኩባንያ ዝኾነ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡  ክትዕድግ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ሰብ መዚ ቱርኪ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ብቱርካዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ድሉው ክኸውን ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።   

ኣብ ተመሳሳሊ መስርሕ፡ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ቅድሚ ንክታበት ስፑትኒክ ቪ ምቕባሉ፡ ካብ ዕለት 10 ግንቦት ዝጅምር፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከካይድ ምዃኑ ምሕባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሃንጋሪን ስልቬክያን፡ ክታበት ስፑትኒክ ቪ ካብ ሩስያ ምዕዳገን ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ስሎቬክያዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ብሰንኪ ብዛዕባ’ዚ ክታበት ዘለዎ ሕጽረት ሓበሬታ፡ ኣብ ጥቕሚ ንኸይውዕል ደው ከምዘበሎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com