Tuesday , April 30 2024
Andrew Matthews/TT

ናይ ሎሚ ዓርቢ ደሃይ ስፖርት።

  • ኣሰልጣኒ ሞሪኖ ድሕሪ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስንባቱ ንመጀመርያ ግዜ ከም ተንታኒ ኩዑሶ እግሪ ብሙኻን ምስ ቤን ስፖርት ኣብ 19 ጥሪ ክለባት ኣርሰናልን ቸልሲ ኣብ ዝገብርኦ ጸወታ ስርሑ ክጅምር እዩ።
  • ክለብ ባርሰሎና ን ብራዚላዊ ተጻዋታይ ክለብ ቸልሲ ዊልያም ንምስግጋር ን ካልእ ብራዚላዊ ማልኮምን ተወሳኺ ገንዘብ ሒዛ እኻ እንተቀተረበት ብ ክለብ ቸልሲ ተነጺጉ። Telegraph
  • ክለብ ባርሰሎና ን ኮቲንሆ ብምሻጥ ዳግማይ ን ነይማር ናብ ሕቁፍኣ ንምጽንባር ምስ ክለብ ፒኤስጂ ዝርርብ ጀሚራ። soccernet.
  • ክለብ ርያል ምድሪድ ዳግማይ ን ኣሰልጣኒ ሞሪኖ ንምቑጻር ድልየት ኣርእያ እንተኾነ ሕጂ ክተቖጽሮ እንተኾይና ንክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ 10 ሚልዮን ፓውንድ ክትከፍላ ክትግደደ እያ። Sun
  • ወኪል ኣርጀንቲናዊ ጎንዛሎ ሂጉዌን ሐዉ ኒኮላስ ሂጉዌን ናብ ከተማ ለንደን ብምቕናዕ ንምስግጋሩ ዝምልከት ምስ ወከልቲ ክለብ ቸልሲ ይዘራረብ ኣሎ። ቸልሲ ብልቓሕ ከተሰጋግሮ እካ ድሌት ተሃለዋ ወናኒት እዚ ተጻዋታይ ዝኾነት ጁቨንቱስ ግን ብመሸጣ ጥራይ ከምተፈናዎ ኣፍሊጣ። Evening standard
  • ማንቸስተር ዩናይትድ 35 ሚልዮን ፓውንድ ብምስላዕ ን ተኸላኻላይ ክለብ ቶተንሃም ዝኾነ ቶቢ ኣልደርዌልድን ንምፍራም ምንቅስቃስ ጀሚራ። star
  • ማንቸስተር ሲቲ ከም መተካእታ ኣከፋፋሊ ፈርናንድንሆ ን ኣከፈፋሊ ክለብ ዌስትሃም ዴክላን ሪስ ንምስግጋር ምስ ወኪሉ ዝርርብ ጀሚራ። sun sport
  • ቸልሲ ን ጀርመናዊት ክለብ ባየር ሙኒኽ ብ ጉዳይ ብዘኣገባብ ምስግጋር ን ትስፉው መንእሰይ ተጻዋታያ ዝኾነ ካሎም ሁድሰን ን ፊፋ ክተከሳ ሙኻና ኣፍሊጣ። ባየርሙንኽ ነዚ መንእሰይ ንምስግጋሩ ኣርባዕተ ግዜ እካ እንተፈተኑ ኩሉ ብክለብ ቸስሊ ተቀባልነት ኣይረኸበን።
  •  ሹዱሽተ ተጻወቲ ኣርሰናል ማለት ቤለርኒ፣ኮሴለኒ፣ኦዚል፣ ሞንርያል፣ ማቭሮፓኖስን ሙስጣፊን ካብ መጉዳእቶም ሓውዮም ሙሉእ ልምምድ ጌይሮም ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com