Tuesday , April 30 2024

ንበዓልቲ ቤቱ ካብ ቃንዛኣ ንምንጋፍ ኢሉ ዝሓገዛ ሰብ ኣብ ሞታ ኢድ ኣለካ ተባሂሉ ይእሰር።

ቤት ፍርዲ ሽወደን ካብ ቃንዛኣ ንምንጋፍ ኣብ ሞት ሰበይቱ ኢድ ከምዝነበሮ ዝተረጋገጸ ሰብኣይ ንማእሰርቲ ከም ዝፈረዶ ሓቢሩ። ኣብ ቬስተርኖርላንድ ከተማ ኦንጊርማንላንድ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንሪቻርድ ሎንድግሪን ናይ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ማእሰርቲ በይንሉ። እዚ ድማ ድሕሪ ብዘይቀጥታትዊ ቅትለት በዓልቲ ቤቱ ዝተኸሰሰሉ ፍጻመ ኮይኑ ጠበቕኡ ግን ነቲ ውሳነ ዳግመ ግምት (ይግባይ) ክግበረሉ ሓቲቱ ኣሎ።

ንበዓልቲ ቤቱ ካብቲ ዝነብራ ቃንዛን ስቓይን ንምንጋፍ ብዝጠለበቶ መሰረት ልዕሊ ዓቐን ሞርፊን ከምዝሃባ ተኣሚኑ። እታ መዋቲት ብተደጋጋሚ ፈተነ ነፍሰ ቅትለት ኣካይዳ ከምዝነበረትን ከምዘይሰለጣን ተለቪዥን ሽወደን ነቲ ጠበቓ ናይቲ ገበነኛ፡ ቶማስ ቦድስትሮም፡ ዝብሎ ቃሊሓ። እታ መዋቲት ቅድሚ ምሟታ ብመንገዲ ናይ ቪድዮ ስእሊ ኣቢላ ንኹሎም ቤተ ሰባ ናይ መፋነዊ መልእኽቲ ከምዝሰነደትሎም ይፍለጥ። ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እቲ ገበነኛ ንኽልተ ዓመታት ክእሰር ጠሊቡ’ኳ እንተነበረ ቤት ፍርዲ ግን ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ጥራይ ፈሪድዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com