Tuesday , April 30 2024

ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ውሽጣዊ መድመይቲ ሓንጎል ይዛረብ

ኣካያዲ ስራሕ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር፡ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ 2018 ሕማም መድመይቲ ሓንጐል ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠ “ክንደይ መዓልታት ኮን ብህይወት እጸንሕ እኸውን” ዝብል ሓሳብ ከም ዝሓዞ ይዛረብ። በዓልቲ ቤቱ፡ ካቲን፡ ደቁ ዳረንን ማርክን በቲ ኲነታት ብዙሕ ከም እተሳቐዩ ዘዘንተወት እዛ “ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ነቨር ጊቭ ኢን” ዘርእስታ ፊልም እያ። እዛ ፊልም ትማል ቐዳም ኣብ ፈስቲቫል ፊልም ግላስጎው ብፍሉይ ስክሪኒንግ ከም እተመረቐት ድማ ተገሊጹ። እዛ ፊልም ብ 5 ግንቦት ሰር ፈርጉሰን ምስ ወደቐ ወዱ 999 ብምድዋል ናብ ሆስፒታል እናሰነዮ ብምርኣይ እያ ትጅምር። ኣብ ሆስፒታል ሳፎርድ ሮያል ን ፈርጉሰን ኣብ ምእላይ ተዋፊሩ ዝነበረ ሓኪም መትንታት፡ ጆሺ ጆርጅ፡ ፈርጉሰን 80% ናይ ምሟት ተኽእሎ ከም ዘለዎ ገምገመ። ኣብታ መዓልቲ ጥራይ ሓሙሽተ ናይ ሓንጉል መድመይቲ ዘለዎም ሕሙማት ናብቲ ሆስፒታል መጺኦም። ሰለስተ ካብዚኣቶም ድማ ሞይቶም፥ ኣዚኻ ዕድለኛ ኢኻ” ከም ዝበሎ እውን ኣብታ ፊልም የዘንቱ–ፈርጉሰን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com