Tuesday , April 30 2024

ኣርሰን ቨንገር ናብ ባየርሙኒክ ዶ ወይስ ሪያል ማድሪድ

ስም እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ኣብዝጽውዓሉ ስም ናይ 26 ዓመታት ዕውት ግዜ ምስ እዛ ጋንታ ዘሕለፈን  ኣሰልጣኒ ፈረንሳዊ ኣርሰን ቨንገር ክጽዋዕ ናይ ግድን እዩ። ምክንያቱ ኣብዛ እንግሊዛዊት ጋንታ መዳርግቲ ኣልቦ ክብረወሰናትን ታሪክን ስለዝሰነደ። ኣብዝሓለፈ ክራማት ካብ ኣስልጣንነት ካብ ዝእለ ግን ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ  ኣብምስትምቃር ኣዩ ዘሎ።

እንተኾነ ኣብዚ ወቅቲ ፍጹም ዘይጠዓመንን ብሕማቅ ኣጀማምራ ተበጊሰን ዘለዋ ጀርመናዊት ክለብ ባየርሙኒኽን ስፓኛዊትን ክለብ ሪያል ማድሪድና ኣዕይንተን ናብ ኣርሰን ቨንገር ኣቅንዔን ይርከባ። ኣርሰን ቬንገር ብዝመጾ ጻዊዒት ሕጉስ እካ እንተኾነ ናብ ኣየነይቲ ክለብ ከምዘምርሕ ግን ኣይሓበረን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com