Tuesday , April 30 2024
DAVID HECKER/TT

ኣጥቅዓይ ፍራንክፈርት ሉካ ጆቪች ናብ ማድሪድ ኣምሪሑ!!

ሎሚ ዓመት ኣብ ሕማቕ ቆመና ኮይና ውድድራ ዝወደአት ስጳኛዊት ርያል ማድሪድ፡ ንሉካ ጆቪች ካብ ጀርመናዊት ኢንትራኸት ፍራንክፈረት ከም ዘፈረመቶ ተገሊጹ። ዋላ’ኳ ብወግዒ ኣይገለጽ ርያል ማድሪድ ነዚ ተጻዋታይ ብ62 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘፈረመቶ’ዩ ጋዜጣታታት ስጳኛ ዝሕብራ ዘለዋ። መጠን ገንዘብ መስርሕ ምስግጋር ናይዚ ኣጥቃዓይ ብኽልቲአን ጋንታታት ብምስጢር ክተሓዝ’የን ተሰማሚዐን ዘለዋ። ጆቪች ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥም ዩሮፕያን ሊግ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ቸልሲ ክልተ ሽቶታት ከም ዘመዝገበ ይፍለጥ። እዚ ወዲ 21 ዓመት ኣጥቃዓይ ኣብ ታሕቲ ኣላይነት ዘነዲን ዚዳን ንሽዱሽተ ዓመታት ክጸንሕ’ዩ ተሰማሚዑ ዘሎ። ጆቪች ብመልክዕ ልቓሕ ካብ በነፊካ ናብ ኢንትራኸት ድሕሪ ምስግጋሩ ብቕዓቱ ክመሓየሽ ብምኽኣሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዩ ብቐዋምነት ምስዛ ጀርመናዊት ጋንታ ክጻወት ፌርምኡ ኣንቢሩ። እዛ ጋንታ ነዚ ተጻዋታይ 6.7 ሚልዮን ፓውንድ ጥራይ ኣውጺኣ’ያ ዋንነታ ጌራቶ ኔራ። እንሆ ሕጂ ድማ ርያል ማድሪድ ገዚፍ መጠን ገንዘብ ከፊላ ናብ ሕቝፈኣ ተእትዎ። ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ሰርቢያ ጌሩ ኣርባዕተ ጸወታታት ጥራይ ዘካየደ ጆቪች፡ ኣብዚ ወቕቲ ነዛ ጀርመናዊት ጋንታ ኣብ 48 ዝተፈላለየ ጸወታታት 27 ሽቶታታት ከም ዘቝጸረላ ይንገር። ብዘይካ’ዚ እዚ ኣጥቃዓይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥም ዩሮፕያን ሊግ ዓሰርተ ሽቶታታት ከመዝግብ ብምኽኣሉ ኣባል 11 ዝበለጹ ተጻወትቲ ዩሮፕያን ሊግ ክኸውን በቒዑ ኔሩ’ዩ። ኢንትራኸት ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ’ያ ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብቸልሲ ተሳዒራ ካብ ግጥም ዩሮፕያን ሊግ ተገሊፋ። ክሳብ እዚ ደረጃ ክትበጽሕ ተራ እዚ ኣጥቃዓይ ዕዙዝ ምንባሩ ድማ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ይኣምኑ። ጆቪች ኣብ መስመር መጥቃዕቲ ርያል ማድሪድ ምስ ከሪም በንዘማን ማሪያኖ ዲያዝን ከቢድ ውድድር ይጽበዮ ከም ዘሎ ተንተንቲ ጸወታታት ላሊጋ ይሕብሩ። ርያል ማድሪድ ኣብዚ ድሮ ተኸፊቱ ዘሎ መስርሕ ምስግጋር ተጻወትቲ ኤውሮጳ ገዚፍ መጠን ገንዘብ ኣውጺኣ መሳርዓ ከተደልድል ወጢና ከም ዘላ ካብ በርናቡ ዝተፈነዉ ዜናታት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com