Tuesday , April 30 2024

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣንጻር ክሮና ቫይረስ ልዑል ደረጃ ጥንቃቐ ክግበር ኣዘኻኺሩ።

ሓደጋ ክሮና ቫይረስ ካብ ማእከላይ ደረጃ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብምስግጋሩ፡ ነዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምቅዋም ልዑል ደረጃ ጥንቃቀ ክግበር ከም ዘለዎ ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣፍሊጡ። ብዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣንጻር እዚ ቫይረስ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ንምውህሃድ፡ ‘ሓይሊ ኣንጻር ክሮና ቫይረስ’ ተሰምዩ ዝቖመ ግንባር ከም ዘሎ ሓላፊት ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ዝኾነት ኦርሶላ ፎን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ሓደገኝነት ክሮና ቫይረስ ካብ ማእከላይ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝተሰጋገረሉ ምኽንያት ድሕሪ ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓዊ ሕብረት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 38 ክብ ምስ በለ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጻ። ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ቻይና ብክሮና ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ናብ 2912 ክብ ከምዝበለን ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሪ ድማ ናብ 80 ሺሕ ከምዝወሰኸን ሰበ ስልጣን ቻይና ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብ መላእ ዓለም ብክሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሪ ክሳብ 88 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎን ካብዚኣቶም ክሳብ ሕጂ ኣስታት 3000 ሰባት ከምዝሞቱን 42670 ድማ ከምዝሓወዩን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com