Tuesday , April 30 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ክትባት ኮቪድ: ምዝንባዕ ወርሓዊ ጽግያት ኣኸቲሉልና ይብላ

ክትባት ኮቪድ-19 ድሕሪ ምውሳደን ምዝንባዕ ወርሓዊ ጽግያት ከም ዘስዓበለን ኣማኢት ደቀንስትዮ ሽወደን ምግላጸን ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ነዚ ስዒቡ: ኤጀሲታት ፍርያት መድሃኒት ሽወደንን ኣውሮጳን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ: እዚ ጎድናዊ ሳዕቤን ብምኽንያት ክትባት ኮቪድ ምዃኑ ዛጊት ከም ዘየረጋገጹ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርከባ ደቀንስትዮ: ክትባት ኮቪድ19 ድሕሪ ምውሳደን ምዝንባዕ ወርሓዊ ጽግያት ከም ዘጋጠመን ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። ኣብ ሽወደን ጥራይ ካብ 300 ክሳብ 400 ዝኾና ደቀንስትዮ: ከምዚ ዝበለ ጥርዓን ምቕራበን ጸብጻብ ኤጀንሲ ፍርያት መድሃኒት ይገልጽ።

ምስ ክትባት ኮቪድ-19 ዝተተሓሓዘ ዘይንቡር ባህርያት ወርሓዊ ጽግያት ኣለዉ እዮም። እዚ ዘይንቡር ወርሓዊ ጽግያት ወይ ድማ ድሕሪ ምቊራጽ ወርሓዊ ጽግያት ዝኽሰት ምድማይ ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ነባር ክኢላ ኤጀንሲ ሕክምናዊ ፍርያት ሽወደን: ኤባ ሆልበርግ: ንኣገልግሎት ዜና TT ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኣመልኪታ።

እንተኾነ ግና ኣብ መንጎ ክትባት ኮቪድ-19ን ምዝንባዕ ወርሓዊ ጽግያትን ርክብ ምህላዉ ብርግጽ ዝተጣለለ ነገር የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com