Tuesday , April 30 2024
Johan Nilsson/TT

ዩኒቨርሲቲ Luleå ንሰብ ተኪኦም ዝዓዩን ሓኾርቲ ሮቦታት ንምምሃዝ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ


ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ Luleå ነፈርቲ ቅድሚ ምብራረን ጥዕናአንን ሓፈሻዊ ኲነታተንን ንምምርማር ዝሕግዙን ንሰብ ተኪኦም ዝዓዩን ሓኾርቲ ሮቦታት ንምምሃዝ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብዚ ግዜዚ ነፈርቲ መመርመሪ መሳርሒታት ብዝዓጠቑ ሰባት እየን ዝፍተና። ዝተበላሽወ ወይ ኣበር ዘለዎ ተክኒካዊ ጸገም ምስ ዝርከብ እቲ ናይ መርመራ ጒጅለ ነታ ነፋሪት ተሳፊሩ እዩ ጥዕናኣ ዘረጋግጽን ዝፍትናን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ Luleå መምህር ኪነ-ሮቦት George Nkaloakopoulos ብሰብ ዝግበር መርመራ ግዜን ቁጠባን ዝበልዕ ኣሰራርሓ ምዃኑ ብምሕባር ንሱን ጒጀለኡን ሓዃሪ ሮቦት ብምጥቃም ቦይንግ 737 ኣብ ዝዓይነታ ነፋሪት ዕዉት ፈተነ ምክያዶም ገሊጹ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመት ወይ ክልተ ዓመታት ሓኾርቲ ሮቦታት ንሰብ ተኪኦም ክዓዩ ምዃኖም ከኣ ተዛሪቡ። እዞም ሮቦታት መርመራ ምክያድ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዝተበላሽወ ኣካል ኣብ ምጽጋን እውን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ክህቡ እዮም ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሎም ኣሎ።

” ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነዚ ናይ ጽገና ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምሩ እዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ” ይብል George Nkaloakopoulos።

እዚ ስራሕ ኣካል ናይቲ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ሆራይዞን 2020 ኮይኑ መርመራ ነፈርቲ ንምስላጥ ዝወጸ ውጥን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com