Friday , April 26 2024
Anders Wiklund / TT

ለበዳ ኮሮና ብንጹር ምጒዳል ኣርእዩ ተባሂሉ። 

ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ምጒዳል ምርኣዩን ቊጽሪ ኣብ ሆስፒታል ዝሕከሙ ግዳያት ድማ እናንቈልቈለ ምምጽኡን ተገሊጹ። 

እዚ ምጒዳል ኣዝዩ ብንጹር ዝረአ ምዃኑ ክኢላ ሕማማት ለበዳ ኣንድርስ ተግኔል ኣብ ቤትጽሕፈት ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ። 

እዚ ምጒዳል ሕማም ኮሮና እተኸስተሉ ቀንዲ ምኽንያት ሰባት ይኽተቡ ብምህላዎም ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፥ ምኽታብ ለበዳ እዚ ሕማም ከም ዝንኪ ብንጹር ከም ዘርኢ ኣስሚሩሉ። እዚ ክትባት ንተኸታባይ ጥራይ ዘይኮነ ጥዕና ኻልኦት ኣብ ምውሓስ እውን ወሳኒ ምዃኑ ከም እተገንዘበ እውን ሓቢሩ’ሎ። 

ዛጊት 4 ሚልዮን ዜጋታት እንተወሓደ ሓደ ዶዝ ክትባት ምውሳዶም ዝገለጸ ቴግኔል እዚ ኣሃዝ 46% ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ሽወደን ከም ዘመልክት፣ ብዘይካዚ 19% ዝኾኑ ድማ ክልተ ድዛት ከም ዝወሰዱ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com