Sunday , April 28 2024
In this March 5, 2015 photo, Isabel dos Santos, reputedly Africa's richest woman, attends the opening of an art exhibition featuring works from the collection of her husband and art collector Sindika Dokolo in Porto, Portugal. On Monday, Jan. 6, 2020, Angola's foreign minister Manuel Augusto said that there is no political motivation behind the government's demand for more than $1 billion from dos Santos, her husband and a Portuguese business partner. Isabel dos Santos is a daughter of Jose Eduardo dos Santos, who ruled the oil- and diamond-rich nation for 38 years until 2017. (AP Photo/Paulo Duarte) XAF101

ልእልቲ ኣንጎላ፡ ብርክታት ኩባንያ ነዳዲ፡ ከተረክብ ትግደድ

ጓል ፕረሲደንት ኣንጎላ ነበር፡ ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ 422 ሚልዮን ዩሮ፡ ዝዋግኡ ብርኪ ሃገራዊ ኲባንያ ነዳዲ፡ ሳናንጎል፡ ከተረክብ ከም እተገደደት ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ነዚ ጒዳይ ክዳኒ ዝጸንሐ ሆላንዳዊ መጋባእያ፡ እዚ ብርኪ፡ ካብ ፖርቱጋላዊ ኲባንያ፡ ጋልፕ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተረኽበ እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ሃብቲ ናይዛ ልእልቲ፡ ካብ ካዝና ህዝቢ ኣንጎላ፡ ዝተሰርቀ እዩ ክብል ኣማኻሪ ሕጊ ኩባንያ ሳናንጎል፡ ንሆላንዳዊት ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ኣቦኣ ሆዜ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ንኣንጎላ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ዝገዝኣሉ ዘመን ዘጥረየቶ ሃብቲ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ዓዳ “ልእልቲ” ብዝብል ቅጽል እትጽዋዕ ኤዛቤል፡ ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ቢልዮነር ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ብፎርብስ ማጋዜን ተረቚሓ ምንባራ ይዝከር።

ኤዛቤል፡ እዚ ሕጋዊ መስርሕ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ኣውሮጳ ምቾት ዝመልኦ ህይወት ትመርሕ ምንባራ ጸብጻባት የመልክቱ። ካብ 2019 ንደሓር ግን፡ ኩሉ ንብረታን ገንዘባን ክድስከል ከም እትገብረ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኤዛቤል፡ ነዞም ክስታት፡ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ ተራ ክስታት እዩም ብምባል ገሊጻቶም።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓዋ፡ ሆዜ ፊሎሜኖ፡ ሓላፊ ማዕከን ነዳዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዝፈጸሞ ገንዘባዊ ምትላል፡ ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com