Saturday , April 27 2024
Pedersen, Terje

ስምካ ልዕሊ መቓብርካ


“ብዝተቐበሎ ጥራይ ከቢሩ ዝነበረ ሰብ የለን። ክብረት ኣምሳያ’ቲ ዝሃብካዮ ዝወሃበካ ሽልማት እዩ” – ካልቪን ኩሊጅ

ማሃትማ ጋንዲ “እቶም ሸዉዓተ ዉጉዛት ተግባራት” ኢሉ ዝገልጾም ዝነበረ

“ሃብቲ ብዘይ ዕዮ፣ ሓጎስ ብዘይ ሕልና፣ ፍልጠት ብዘይ ጠባይ፣ ንግዲ ብዘይ ስነምግባር፣ ስነ-ፍልጠት ብዘይ ሰብኣዉነት፣ ሃይማኖት ብዘይ መስዋእቲ፣ ከምኡ’ዉን ፖለቲካ ብዘይ መትከል”

ዝብሉ እዮም ነይሮም።

ህጻን ክዉለድ እንከሎ መን’ዩ ዝዕልልን ዝሕጎስን? ወለዲ፣ መቕርብን ኣዕሩኸ-መሓዙትን! መን’ከ ይበኪ? እቲ ዝዉለድ ዘሎ ህጻን! ሰብ ክመዉት እንከሎ ግን ብግልባጡ ክኸዉን ኣለዎ። እዚ ማለት ኣብዚ ዓለም ዝዓቕሙ ኣበርኪቱ ዝሓልፍ ሰብ ንፈነዋኡ ብሓጎስ ክቕበሎ ኣለዎ።

ብዝገበሮ ኣበርክቶ ዓለም ካብቲ ክጽንበራ እንከሎ ዝነበረቶ ዝሓሸት ጌርዋ ይሓልፍ ብምህላዉ ዕግበት ክስምዖ ኣለዎ። እንተደልያ እታ ብሉጽ ሰባ ዝኸሰረት ዓለም ትብከ! ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ኣብ እንጸንሓሉ እዋን ወሰድቲ ጥራይ ዘይኮናስ ወሃብቲ እዉን ኢና።

ፍልስፍና ሂንዱ፣ ሕሩያት ሰባት ካብዚ ዓለም ብሞት ክፍለዩ እንከለዉ ተፈልዮም’ምበር ሞይቶም ኣይብሎምን።

ብብሉጽ ስርሖምን ቅኑዕ ተግባሮምን ኣስማቶም ንዘልኣለም’ዩ ዝነብር ኢሉ ይኣምን።

ሓቂ እዩ – ኣብ ባህልና እውን ገበርቲ ጽቡቕ ኣይርስዑን እዮም።

ዋላ እቲ ካብ ጽቡቑ ሕማቑ ዝዛይድ ሰብ እውን በታ ዝርካባ ጽቡቕ ተግባሩ ከይተመስገነ ኣይሓልፍን እዩ።

በሪሁሉ ብኣማን


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com