Friday , May 10 2024
Pixabay

ነባሪ ፋገርስታ “እቲ ገደብ ኣዕናዊ ኣዕቤናት” ንምክልኻል ኣገዳሲ እዩ።

እታ ኣብ ሽወደን ቫስትማንላንድ ካውንቲ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ፋገርስታ፡ ዋና ማእከል ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ለበዳ
ኣፍሪቃዊ ሰዓል ሓሰማ ኮይና ጸኒሓ። ኣብ ኣውራጃታት ቫስትማንላንድን ዳላርናን፥ ኣብ ከባቢ 1000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር
ዝስፍሓቱ ከባቢ ጫካታት ዝካየድ ኩሉ ንጥፈታት ብፍላይ ድማ ምእካብ ቃንጥሻ ብሰንኪ እዚ ለበዳ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ደው ኢሉ
እዩ ጸኒሑ። እዚ ወቕቲ ምህርቲ ቃንጥሻ ዝእከበሉ ብምንባሩ እቲ ገደብ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ፥ 'ኣዕናዊ ሳዕቤን' ንምክልኻል
ኣድላዪ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ይገልጹ። ሓንቲ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣን-ሉዊስ ብሰንኪ እቲ እገዳ ድቃስ
ስኢና ምጽንሓ ትዛረብ። “እዚ ሕማም ክላባዕ እዩ ዝብል ስግኣት ሒዙኒ ኔሩ፥ ምኽንያቱ ንእሽቶ ከልቢ ኣላትኒ” ትብል።

 

 

Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com