Friday , April 26 2024

ንግስቲ ደንማርክ ይቕረታ ሓቲታ።

ንግስቲ ደንማርክ ማርጋሬት፡ ንኣባላት ንጒሳዊ ቤተሰብ ዘቘጥዕ ተግባር ብምፍጻማ ይቕረታ ሓቲታ። ንሳ ኣርባዕተ ደቂደቃ ካብ
ንጒሳዊ ማዕርጎም ምቕንጣጣ ቊጥዐ ምልዕዓሉ ይቕረታ እኳ እንተሓተተት፡ ውሳነኣ ከም ዘይትቕይር ኣፍሊጣ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ
ሰሙን፡ ኣርባዕተ ደቂ ሕሳስ ልደ ወዲ ማርጋሬት ልኡል ዮኣቂም፡ ልኡል ወይ ልእልቲ ዝብል መጸውዒኦም ክቕንጠጥን ብ
“ካውንት” ሞንፐዛት ዝብል መዓርግ ክጽውዑን ካብ ቤተመንግስቲ ውሳነ ምትሕልላፉ ዝዝከር እዩ።
53 ዝዕድሜኡ ልኡል ዮኣቂም፡ ብውሳነ ንግስቲ ከም ዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ “ደቅኻ ብኸምዚ ኣገባብ መዓርጎም ክቕንጠጡ
ምስማዕ ባህ ዘብል ኣይኮነን፡ ንሳቶም ንባዕላቶም እውን ምርዳእ ኣጸጊምዎም እዩ ዘሎ” ምባሉ ሰፊሕ ኣህጒራዊ ተነባብነት ዘለዋ
ጋዜጣ “ዘ ጋርድያን” ንንጒሳዊ ቤተሰብ ደንማርክ ኣመልኪታ ኣብ አውጽኣቶ ሰፊሕ ዓንቀጽ ንንባብ ኣብቂዓ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com