Friday , April 26 2024
(Cynthia S. Goldsmith, Russell Regner/CDC via AP, File) LGK101

ኖርወይ፡ ሕማም ማንኪ-ፖክስ ኣብ ኖርወይ ምእታዉ ክሕጂ ምንም ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ኣይተረኽበን ተባሂሉ።

ለንቀነ፡ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እተላበደ ሕማም ማንኪ ፖክስ፡ ኣብ ከምኒ ኦስትርያ፡ በልጄም፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ፖርቱጋ፡ስጳኛ፡ ሽወደንን ሆላንድን ከም እተራእየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓደ ዜጋ ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ግንቦት 6 ክሳብ ናብ ኦስሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ በዚ ሕማም ምልባዱ ብመርመራ ከም እተረጋገጸ፡ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ግንቦት 21 ካብ ዝቃላዕ ንደሓር፡ ከተማ ኦስሎ ጽዑቕ ናይ ለበዳ ምክትታል ኣካዪዳ ኔራ እያ። ኖርወይ ቱደይ፡ ናብ ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ተወኪሳ ኣብዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ሕማም ማንኪ-ፖክስ ኣብ ኖርወይ ምእታዉ ክሳብ ሕጂ ምንም ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ከም ዘየለ ኣጣሊላ’ላ።
“ክሳብ ሕጂ ምንም ዝተለበደ ሰብ ኣይረኸብናን ኣሎና፡ እንድሕሪ ምህላዉ ኣረጋጊጽና ብዕሊ ከነፍልጥ ኢና” ክብል በዓልመዚ ፕረስ እቲ ትካል ን ኖርወይ ቱደይ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com