Saturday , April 27 2024

ኣህጉራዊ መዓልቲ ግዳያት ኣካላዊ ስቅያት

ኣህጉራዊ መዓልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምድጋፍ ግዳያት ኣካላዊ ስቅያት ዓመታዊ ወትሩ 26 ሰነ ዝኽበር ኮይኑ፡ ኣንጻር ገበን ኣካላዊ ስቅያት ንምቅላስን ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዳያት ስቅያትን ውጻእ መዓትን ድማ ክብርን ደገፍን ንምርኣይ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ እዩ።

እዛ መዓልቲ እዚኣ ብማእከላይ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመረጸትሉ ክልተ ምኽንያታት ኣሎ። ቀዳማይ፣ 26 ሰነ 1945 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተፈሪሙ። እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ንኣባላት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብራን ከተባብዓን ዘገደደ ዓለምለኻዊ መሳርሒ እዩ። ካልኣይ ድማ 26 ሰነ 1987 ውዕል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ስቅያት፡ ጭካነን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ወይ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉን እዩ።

ምንጪ: www.un.org


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com