Saturday , April 27 2024

ኣብ ህንዲ ውሉፋት ዕጸፋርስ ዝዀኑ ፓፓጋሎታት ሕርሻ ዕጸፋርስ የብርሱ

ኣብ ህንዲ ብሕርሻ ዕጸፋርስ ዝናበሩ ሓረስቶት ግራውቶም ካብቶም ነቲ ዝበቘለ ዕጸፋርስ ክበልዑ ዝመጹ ፓፓጋሎታት ክከላኸሉ ይግደዱ ከም ዘለው ተገሊጹ።

ሓንቲ ዕንባባ ናይ ተኽሊ ዕጸፋርስ ኦፕየም ካብ 20 ክሳብ 25 ግራም ዕጸፋርስ ይርከባ። ዕስለ ፓፓጋሎታት ንመዓልቲ 30 ወይ 40 ግዜ እናተመላለሱ እንተበሊዖሞ ወይ ጨንፈር ምሉእ ሰሊዖም እንተወሲዶም ግን ዝሕፈስ ምህርቲ ከም ዘይህሉ እቶም ሓረስቶት ይገልጹ።

እዞም ጠሪዕና ዝሰምዓና ስኢንና ኢሎም ዘማርሩ ሓረስቶት ለይትን ቀትርን ሓለዋ ብምውጻእ ምህርቶም ካብ ወራር ፓፓጋሎታት ንምድሓን ይቃለሱ እኳ እንተሃለው ነቲ ወራር ደው ከብልዎ ከም ዘይከኣሉ ግን ይዛረቡ።

እቶም ፓፓጋሎታት ነቲ ተኽሊ ተመጊቦም ውኖም ምስ ኣጥፍኡ እናነፈሩ ኸለው ምስ ኣግራብ ይጋጨው ወይ ኣብ ከባቢ ግራውቲ ደንዚዞም ይርከቡ። እቲ ስምዒት ምስ ነፈሰሎም ድማ ተመሊሶም ንዳግማይ ወራር ናብቲ ግራውቲ ይወፍሩ።

ሕርሻ ዕጸፋርስ ኦፕየም ኣብ ዞባ ፕራዴሽ ናይ ህንዲ ኣብ 44,000 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ዝካየድን ዓቢ እቶት ዝርከቦን ዋኒን ምዃኑ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com