Friday , May 10 2024
Pixabay

ኣብ ኡፕሳላ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብረት ጉጅለታት ሓደ ሰብ ተቐቲሉ።

 

ፖሊስ ሽወደን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ብዝተፈጸመ ቶኽሲ ሓደ መንእሰይ ድሕሪ ምሟቱ፡ ኣብ ቀረባ እዋን
ብጉጅለታት ዝፍጸም ጎነጽ ንምፍሻል ይሸባሸቡ ኣለዉ። ኣብ መፋርቕ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ ኡፕሳላ ወረዳ ሳላ ባከ፡ ትማሊ
ሰሉስ ንጉሆ ብጥይት ተሃሪሙ ከም እተረኽበን ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ምሟቲን ተረጋጊጹ። ህዝባዊ ፈነወ SVT ኣብ ዝዘርግሖ
ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይነበረን፥ ምስ ገበነኛታት ጕጅለታት ዝኾነ ዝፍለጥ ምትእስሳር
ከምዘይነበሮን ይሕብር።
ኣብ ክንድኡ እቲ ዕላማ ንዘመድ ናይቲ “ሓርገጽ ኩርድ” እናተባህለ ዝጽዋዕ መራሒ ጕጅለ-ገበን ራዋ ማጂድ ንምቕታል ምንባሩ
SVT ጸብጺባ’ላ። ፖሊስ ብዛዕባ እዚ ወረታት ኣመልኪቶም ርእይቶ ክህቡ ከም ዘደልዩ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣብ ኡፕሳላ ኣብ
ውሽጢ ሓጺር ግዜ ንሳልሳይ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብረት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 60ታት ዕድመ እትርከብ ጓል
ኣንስተይቲ ብጥይት ከም እተቐትለት ዝዝከር’ዩ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና፡ እታ ሰበይቲ ኣደ ሓደ ሓደ ዕሉል ኣባል ናይቲ ብማጂድ
ዝምራሕ “ፎክስትሮት” ዝበሃል ጕጅለ እያ ነይራ። ወዳ ምስ ማጂድ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ከም ዝተሳተፈ ይንገር። ፖሊስ፡ ዝሓለፈ
ሰንበት ኣጋምሸት ኣብ ከባቢ ስቴንሃገን ኡፕሳላ ዝተፈጸመ መጥቅዕቲ ብረት ዕላምኡ፡ ሕነ ንምፍዳይ ምንባሩ ይጥርጥሩ። ኣብቲ
ተኹሲ ዝኾነ ሰብ ኣይተጎድአን።
ማጂድ ንባዕሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቱርኪ እዩ ዝቕመጥ። ንሱ ካብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን
ኣብ ሓያሎ ናይ ጎነጽ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ምስታፉ፥ ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝበዝሐ ዕጸፋርስ ዘሰጋግሩ ሰባት ተባሂሉ
ይጥርጠር። ፖሊስ ኡፕሳላ ክፍጸም ንዝኽእልዩ ጎነጽ ንምቕልባስ ትማሊ ሰሉስ "ፍሉይ ፍጻመ" ዝበሃል ወፍሪ ኣበጊሱ’ሎ።

 

 

Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com