Friday , May 10 2024
Volvo Cars/TT

ኣብ ዮተበሪ ሓድሽ ፋብሪካ ባተሪ ክህነጽ እዩ። 

ኩባንያታት መፍረ መካይን ኖርዝቮልትን ቮልቮን ኣብ ቶርስላንዳ ዮተበሪ ሓድሽ ናይ ባተሪ ሼላ ክሃንጹ ምዃኖም፡ እዚ ድማ ን 3000 ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ክኸፍት ከም ዝኽእል ሎሚ ንግሆ ገሊጾም። እዚ ትካል ኣብተን ቀጺለን ዝፈርያ ሓደስቲ ብኤለትሪክ ጥራይ ዝዓያን መካይን ቮልቮን ፖለስታርን ዝኸውን ናይ ባተሪ ሼላታት ከፍሪ እዩ።.

ህንጸት እዚ ባተሪታት ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ኣብ 2025 ክውዳእ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ወፍሪ 30 ቢልዮን ክሮና ክውድእ ይኽእል እዩ ክብል ሬድዮ ሽወድን ኣብ ዘዳለዎ ዜና ገሊጹ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com