Friday , May 10 2024

ኦሬብሮ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ጓሓፍ መኪና ተረኺባ

መራሒ (ኣውቲስታ) ናይ ጓሓፍ መኪና፡ ሓንቲ ኣብ ሰላሳታት ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ናይ መኪንኡ እንዳ ጓሓፍ ከም ዝጸነሓቶ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።

እቲ መራሕ መኪና፡ ኣብቲ ኣብ ኦሬብሮ ዝርከብ Backahallen ዝበሃል ቦታ ሒዝዎ ዝመጸ ጓሓፍ ንኸራግፍ ናብቲ ኣብ መኪንኡ ዝርከብ ናይ ዳሕሪት ካሜራ ምስ ረኣየ ነታ ሰብ ከምዘስተብሃለላ ሓቢሩ።

እዛ ጓል ኣንስተይቲ፡ መዓስን ብኸመይ ኣገባብን ናብታ መኪና ከምተሰቕለት ዝፍለጥ የለን።

ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ናብቲ ቦታ መጺኦም ነታ ጓል ኣንስተይቲ ብምውጻእ ብኣምቡላንስ ጌሮም ናብ ሆስፒታል ዮኒቨርስቲ ኦሬብሮ ከምዘብጽሕዋን ጥዕናኣ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ መባእታዊ ሓበሬታ ገሊጹ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com