Friday , May 10 2024

ድቃስ መግቢ ኣእምሮ እዩ ንህጻናት

ህጻናት፡ ነፍሲ-ወከፍ ለይቲ ብዉሑዱ 9 ሰዓታት ክድቕሱ ኣለዎም።

 ጉድለት ግቡእ ምድቓስ ንህጻናት ግጅፊ ነፍሲ ከስዕበሎም ይኽእል።

ብውሑዱ 9 ሰዓታት ክንድቕስ ኣለና።

ንሰዓታት ድቓስ ብዝምልከት፡ ሃገራዊ ትካል ድቓስ ነዚ ዝስዕብ ምኽሪ ይህበና፡

  • ጀመርቲ ትምህርቲ ህጻናት (ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመት)፡ 10 ክሳብ 13 ሰዓታት
  • ካብ ኣዚለ ክፍሊ ንላዕሊ (6 ክሳብ 13 ዓመት)፡ 9 ክሳብ 11 ሰዓታት
  • ኮተቴ (14 ክሳብ 17 ዓመት)፡ 8 ክሳብ 10 ሰዓታት

ደቕኹም ብውሑዱ 9 ሰዓታት ክድቕሱ መዓድዎም

  • ፍሉጥ ሰዓታት ምድቓስን ምትሳእን ክህልወኩም ግበሩ።
  • ኣብ ዓራት ኮይንካ ቅድሚ ምድቃስካ ዝግበር ናይ ጸለoት መሳሊ ንጥፈት ኣተኣታትዉ።
  • ደቕኹም ቅድሚ ምድቓሶም ዝኾነ ንጥፈታት ክገብሩ ኣተባብዕዎም። ንኣብነት ምንባብ።
  • መደቀሲ ክፍሊ፡ ዝሑልን፡ ዝጸልመተን ህዱእን ምዃኑ ኣረጋግጹ።
  • ቅድሚ ምድቓስኩም፡ ዝኾነ ኤለክትሮኒክ ኣይትቕረቡ። ቲቪን ኮምፕዩተርን ከኣ ካብ መደቀሲ ክፍሊ ኣርሕቕዎ።
  • ቕድሚ ምድቓስኩም፡ ምብላዕ፡ ምስታይን ኣካላዊ ምንቕስቓስን ኣወግዱ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com