Friday , April 26 2024

ድንጋጸ + ትብዓት + እምነት = ዓንዲ ብልጽግና ብበሪሁሉ ብኣማን ካልኣይ ክፋል

ድንጋጸ

ድንጋጸ፣ ሕልናን ኣስሓኮን ዘለዎም ሰባት ዝውንንዎ ጸጋ እዩ። ደንጋጺ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ምእንቲ ካልኦት መስዋእቲ ክኸፍል ቅሩብነት ዘርኢ ሰብ እዩ።

ኣብ ግዜ ጸገሙ ክቡር ግዜኻ፣ ገንዘብካን ጸዓትካን ሰዊእካ ዝሓገዝካዮ ሰብ ኣምሳያ’ቲ ዘርኣኻዮ ድንጋጸ ወይ ይገብረልካ ወይ ድማ ይነግረልካ። ከምኡ ማለት ግን ድንጋጸ ብመኽሰብ ይድረኽ ማለት ኣይኮነን።

ልብኻ ብፍቕሪ ምስ ዝመልእ ፍቕሪ ካልኦት ክቕበል ክፉት ይኸውን፡ ብስስዐ ኣይትዓውርን፡ ካልኦት ሰባት ተኻፈልቲ ዓወትካን ጸጋታትካን ክኾኑ ፍቓደኛ ትኸውን፡ መንፈስ ድንጋጸ ኣብ ነብሰ-ስጋኻ ይሰርጽ።

ድንጋጸ ምስ ዝህልወካ ብሓጎስካ ሰባት ተሐጉስ፣ ዓወትካ ምንጪ ዓወት ካልኦት ይኸውን፣ ፋኑስ ኴንካ ህይወት ብዙሓት ተብርህ። ናይ ምርድዳእ ክእለትካ ይብርኽ፡ ብስምዒት፡ ተስፋን ሃንቀውታን ካልኦት ትግደስ። ንሱ ከኣ መሰረት ዕውት ዝምድናታት ኰይኑ የገልግለካ። ኣብዚ ዓለም ካብ ዝምድናታት ዝዓቢ መኽሰብ ከኣ የልቦን።

ትብዓት

ትብዓት ክበሃል ከሎ ብኣጉል ድፍረት ተደሪኽካ ምስ ዘየዋጽኣካ ነገር ምርጻም ማለት ኣይኮነን። ትብዓት፣ ንሳዕቤን ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ምውሳድ ማለት እዩ። ትብዓት፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ካብ ስክፍታን ጭንቀትን ሓራ ንምዃን እትወስዶ ስጉምቲ እዩ።

ትብዓት፡ ንኹሉ ዘጓንፈካ ጸቕጥታት ህይወት፣ ኣብ ነብስኻ እምነት ኣሕዲርካን ንጽባሕ ተተስፊኻን ብውሽጣዊ ውደናን ርግኣት ኣእምሮን ክትጻወሮ ምኽኣል ማለት እዩ።

ትብዓት፣ ምስ ህይወት ናይ ምንባር ዋጋ ዕዳግ ብምግባር ንዝግብኣካ ብቕንዕና ምሕታት ንዘይምእምኣካ ድማ ምንጻግ ማለት እዩ። ትብዓት፣ ሓገዝ ኣብ ዘድልየካ እዋን “ተሓጊዙ ከይብሉኒ” ከይበልካ ሓገዝ ምሕታት ማለት’ዩ።

ትብዓት፡ ክትዕብልል ከይሓሰብካ ኣብ መትከል ማዕርነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ክትምስርት ምኽኣልን ንዕላማታትካ ምክልኻልን ማለት እዩ።

ተባዕ ሰብ ብጸገማት ኣይደሃልን። ዋላ’ውን ኣብ ፈታኒ እዋን ማሕለኻታት ፈንጢሱ በሎኽ ኢሉ ክወጽእ ኣየጸግሞን። ብቐደሙስ ተባዕን ትክን’ዶ ኣይተባህለን!

እምነት

እምነት ዝብል ቃል፣ ንርእሰ-ምትእምማን፣ ተበግሶ፣ ሓላፍነት፣ መንፈስ ርግጸኛነትን፣ ኣብ ስጉምቲ ዘይምውልዋልን የመልክት። ኣብ ነብስኻ እምነት ምስ ዝህልወካ ጥዑይን ኣወንታዊን ኣመለኻኽታ’ውን ይህልወካ። እዚ ድማ ኣብ ኩሎም እትፍጽሞም ነገራት፣ ኣብ ዝምድናታትካ ከምኡ’ዉን ኣብ ግዜ ሽግርን ጸበባን ብእተርእዮ ግብረ-መልሲ ይንጸባረቕ።

ኣብ ነብስኻ እምነት እንተሃልዩካ ዝኾነ ነገር ንምግባር ምትብባዕን ድራኸን ናይ ካልኦት ሰባት ኣይትጽበን። ብሕማም ጽግዕተኛነት ኣይትሳቐን። ብናይ ገዛእ ርእስኻ ገምጋም፣ ቀዳምነታትን ክብርታትን ከኣ ትምራሕ።

ብናይ ገዛእ ርእስኻ ብሶላ፡ ኣንፈት ህይወትካ ተማእዝን። ንዝኾነ እትፍጽሞ ነገር ኣቐዲምካ ሓላፍነት ትወስደሉ፣ ፍሽለት እንተኣጋጢሙካ’ውን ኢድካ ናብ ካልኦት ኣይተመልክትን።

ኣብ ነብስኻ እምነት ምስ እተሕድር ኣብ ልዕሊ ካልኦት’ውን እምነት ተሕድር። ብዘይምኽንያት ሰባት ኣብ ምጥርጣርን ኣብ ልዕሊኦም እምነት ኣብ ምጉዳልን ኣይትኣቱን።

ንሰባት ከም ነብስኻ ትርእዮምን ትቕበሎምን። እዚ ድማ ኪኖ ግዝያዊ በለጽን ስስዐን ዝጥምት ጥዑይ ዝምድናታት ንምምስራት ይሕግዘካ።

…ይቕጽል…


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com