Saturday , May 18 2024

Khaled Abdu

ኣመሪካዊ ዶክተር፡ ሽወደን ኣብ ኲናት ብዛዕባ ክንክን ስንባደ ብዙሕ ክትመሃሮ ኣለዋ።

ሽወደን ካብቲ ኣብ ግንባር ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ክንክን ጭንቀት ኲናት ብዙሕ ክትመሃር ከም እትኽእል ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጸ ጥቓ ዶኔትስክ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ኲናት ዘውርዶ ዕንወት ኣብ ዝዓዪ ክሊኒክ ዝሰርሕ ኣሜሪካዊ ዶክተር እዩ። ንሱን መሳርሕቱን ኣብ ጽንኩር ኩነታት፥ ሕክምናዊ ናውቲ ኣብ ዝሰኣነሉ ኣሸጋሪ ኲነታት ክሰርሑ ከም ዝግደዱ፡ እዚ ድማ ኣይግበሮ እምበር ኣብ ሽወደን ኲናት እንተተኸሲቱ ከጋጥም ንዝኽእል ኲነታት ን ሰብ ሕክምና …

Read More »

መጥቃዕቲ ሃከር ንምሕዋይ ሳምንታት ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ኣብ ፊንላንድ ዝመደበሩ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ቲቶቭሪ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ማእከል ኣገልግሎት ዳታ ብሃከራት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ነገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ዓማዊል ናይቲ ኣብ ክላውድ፣ ዳታን ኣገልግሎት ሶፍትዌርን ትካል ዝኾና ብርክት ዝበላ ትካላት ንግድ፣ ሰብመዚን ካልኦትን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃስዩ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ መጥቃዕቲ ብጉጅለ ሃከር ኣኪራ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝንገር። ኣብ ሽወደን ዝበዝሓ ዩኒቨርሲቲታትን ልዕሊ 30 …

Read More »

ቪክቶር ኦርባን ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ናብ ቡዳፐስት ዓዲሙ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ ብዛዕባ ምጽንባር ሽወደን ናብ ኔቶ ንምዝርራብ ንኡልፍ ክሪስተርሾን ናብ ቡዳፐስት ዝዕድም ደብዳበ ከምዝለኣኸ ገሊጹ። ምስ ቱርኪ ብምዃን ንመመልከቲ ኔቶ ሽወደን ንምጽዳቕ ነዊሕ ዝደንጐየት ሃንጋሪ፡ ቅድሚ ሕጂ ወከልቲ ሽወደን ናብ ቡዳፐስት ክመጹ ሓቲታ እኳ እንተነበረት፡ ክሳብ ሕጂ ሕቶኣ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ክሪስተርሾን ንሱን ኦርባንን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ስሩዕ ኣኼባታት ከምዘለዎም ጠቒሱ’ሎ።

Read More »

ባይቶ ቱርክ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ኣጽዲቑ

ባይቶ ቱርክ ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ክትጽንበር ዘቕረበቶ ሕቶ ኣጽዲቑ። ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን ሕጂ ነቲ ውሳነ ክታሙ ከንብት ትጽቢት ይግበረሉ’ሎ። ባይቶ ሃንጋሪ ገና ኣብ ሕቶ ሽወደን ድምጺ ኣይሃበን ኣሎ። ኣባላት ባይቶ ቱርክ፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ንነዊሕ እዋን ከደናጒዮ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ሕቶ ምጽዳቓ፡ ኣብ መንገዲ ኣባልነት እታ ኖርዲካዊት ሃገር ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝውክል እዩ። …

Read More »

ፊንላንድ፥ ኣብ 2024 ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ውሕስነት ስራሕ ዘለዎም ሻቕሎት ይውስኽ

ኣብ 2024 ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ብዛዕባ ኩነታት ስራሖም ዘለዎም ስክፍታ እናዓበየ ምምጽኡ፥ ብ ትካል “ማዕከን ክፉት ሽቕለት ኣልቦነት” ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። እቲ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደን ልዕሊ 3000 ኣባላት ዘሳተፈን መጽናዕቲ፡ ምስ ዓሚ ብምውድዳር ኣብ ስምዒት ሰራሕተኛታት ጭቡጥ ለውጢ ከም እተኸስተ ትዕዝብቱ ኣስፊሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ፥ ንኹነታት ስራሖም ተስፋ ዘለዎ ክብሉ ዝገለጹ ካብቶም ነዚ ሕቶ ዝመለሱ እቶም 33% ጥራይ እዮም፡፡ እዚ …

Read More »

ጀርመናውያን መራሕቲ ባቡር ዝነውሐ ኣድማ ከካይዱ እዮም

ጀርመናውያን መራሕቲ ባቡር ኣብዚ ሰሙን ንሽዱሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣድማ ብምፍጻም፥ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዝነውሐ ናይ ስራሕ ምቁራጽ ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ማሕበሮም ትማሊ ሰኑይ ገሊጸን፡፡ እዚ ድማ ምስ ኦፕሬተር ባቡር ““ዶቸ ባን”” ን ደሞዝን ሰዓታት ስራሕን ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣጋዲድዎ’ሎ። እቲ ኣድማ ረቡዕ 24 ጥሪ ሰዓት 2 ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰኑይ 29 ጥሪ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ክጸንሕን …

Read More »

ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ንልዝብ ግረባ ናብ ስቶክሆልም ኣትያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፥ ንመዘናኡ ፊንላንዳዊ ፔተሪ ኦርፖን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ሎሚ ኣብ ስቶክሆልም ብምቕባል፥ ኣብ ኣግራብን ዘላቕነትን ኣገዳሲ ዝርርብ ክገብር እዩ። ሽወደንን ፊንላንድን ነቲ ኣባል ሃገራት “ብዝተኻእለ መጠን” ካብ ምትካል ሓደ ዓይነት ኣርእቲን እጸዋትን ከምኡ’ውን ካብ ላጻዪ ምቊራጽ ኣግራብ ክቑጠባ ኣለወን ንዝብል ክፋል ስትራተጂ ውጥን ምግራብ ሕብረት ኤውሮጳ 2030 ክቃወማ ጸኒሐን እየን። ንርክብ …

Read More »

መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ኣገልግሎት ሲነማ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ኣንቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ስንበት ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ትካል ሶፍትዌርን ወሃቢ ማእከል ኣገልግሎት ዳታን ሓበሬታን ቲየቶቭሪ ዝኾነ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ራንሶምዌር” ሓያሎ ኩባንያታት ኣብ ጸገም ምህላወን ተገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዝተጎድኡ ትካላት ንግዲ ዝኾነ ሰንሰለት ሲነማ ፊልምስታደን፡ ብኢንተርነት ኣቢሉ ምዝገባ ከካይድ ይዂን ካርድ ማሽናቱ ክጥቀም ብዘይምኽኣሉ፡ ክፍሊት ስዊሽ ክጥቀም ምግዳዱ ተፈሊጡ። ገለ ዞባዊ ምምሕዳራትን ከተማታትን እውን በዚ ብኣሉታ ተጸልየን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብተን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ክሊኒካት ኣገልግሎት ይረኽቡ’ለዉ

መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሽወደናዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ክሊኒክ “ዶክተርስ ኦቭ ዘ ዎርልድ” ኣገልግሎት ይረኽቡ ኣለዉ ። ዓሚ ክሊኒካቶም ኣስታት 1900 ሰብ ከም ዝረኣያ እዚ ድማ – ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ እንክወዳደር ብ 30% ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብዙሓት ሕሙማት ክረኽብዎ ዝግባእ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ይኽልከሉ ከምዘለዉ ሓያሎ ትካላት ይገልጻ’ለዋ። ካልኦት ድማ ናብ ሰብመኢ ከይስትለሙ ብምስጋእ ክንክን ካብ …

Read More »

ኣበል ዩክሬናውያን ኣይክውስኽን እዩ ተባሂሉ

መንግስቲ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝወሃብ መዓልታዊ ኣበል ከምዘይውስኽ፥ ኣብ ክንድኡ ዩክሬናውያን ኣብ መዝገብ ህዝቢ ንኽኣትዉ ነቲ መስርሕ ከቀላጥፍ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ ድማ ንዩክሬናውያን ዝያዳ ተበጻሕነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ውሕስነት፥ ሓገዝ ኤጀንሲ ሽቕለትን ገለ ካልእ ጥቕምታትን ክህቦም እዩ ክትብል ሚንስተር ኢኒግሬሽን ማርያ ማልመ ስተነጋድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ርግጽ’ዩ፡ እዚ ንውሕ ዝበለ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓትት ብምዃኑ ግዜ ክወስድ ይኽእል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com