Wednesday , May 15 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ

ግንቦት 3 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ኮይኑ ብደረጃ ዓለም ዝበዓል መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ዕለት ኣብ ዓለምና ኣብ ልዕሊ ጋዚጠኛታት ዝወርድ መጥቃዕቲን ማእሰርትን ዝዝከረሉ ኮይኑ ብደረጃ ስዊድን ከኣ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ጋዜጠኛ ስዊድናዊ ኤርትራዊ ዳዊት ኢሳቕ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ኣዛረቢ ኮይኑ ይርከብ። ንልዕሊ 19 ዓመት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ዳዊት ኢሳቕ ጉዳዩ ብመንግስቲ ተታሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብል ነቀፌታት …

Read More »

መሰል ወዲ ሰብ።

ኣማኑኤል ሳህለ ንምዃኑ ወድሰብ፡ መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ?ወድ ሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን፡ እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ ወይ ጉጅለ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥርን ኪግልገለሉን ዝኸኣለ። ናይ መን መሰል? ናይ ባዕሉ መሰል። እቲ ንነብሱ መሰል ዝሃባ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ …

Read More »

ሰልፊ ቨንስተር፡ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ይሓትት።

ቁጽሪ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕናን ኣባላት እንዳ መናበይ ዓበይቲን ንምውሳኽ ንነዊሕ ዝዓለመ ወፍሪ ክካየድ ከምዘለዎን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሞሳ ናይቲ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዝገብርዎ ዘለዉ ተወሳኺ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ንኽወሃቦም ሰልፊ ቨንስተር ጸዊዑ። ሰልፊ ቨንስተር ነዞም ኣብዚ ከቢድን ዘይንቡርን ግዜ ሂወቶም ኣብ ቀዳማይ መስመር ሰሪዕም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ንኸድሕኑን ኣንጻር’ዚ ሕማም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዓስቦም ንኽኸፍሎም ድልየት …

Read More »

ደገፍቲ ናዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ዘየድሊ ጭርሖ ብምጽሓፎም ቁጥዔ ኣልዒሉ።

“ኦ ናይ ሰሜን ሰራሕተኛታት ሕበሩ” ዝብል ቴማ ዘለዎ ናይ ናዚ ሰሌዳ ምልክታ ኣብ መንደቕ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሰራሕተኛታት ብምንጥልጣሉ ሓያል ቑጥዔ ዓልዒሉ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ብጉዳይ ኣብ መንደቕ ቤት ጽሕፈቱ ሎሚ ንግሆ ዝተንጠልጠለ ናይ ናዚ ሰሌዳ ምልክታ ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ጥርዓኑ ከምዘቕረበ ሓቢሩ። እቲ ሰሌዳ ምልክታ ኣርማ ናይ ምንቅስቃስ ተቛውሞ ኖርዲክስ (NMR) ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ፍጻመ፡ ዓቢ ግህሰት ሕጊ …

Read More »

ሰልፊ ዓቃባውያን፡ ቁጠባዊ ስልቲ ንኺቕየር ንመንግስቲ ይሓትት።

ሰልፊ ዓቃባውያን ብሰንኪ ኮሮና እቲ ቁጠባዊ ስልቲ ኪቕየር ንመንግስቲ ይሓቱ። መራሒ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስትሪክሶን እቲ ሕጂ ዘሎ ስልቲ ንሓጺር ግዜ ኢዩ ተወጢኑ ነይሩ ይብል። እዚ ናይ ሕጂ ቀውሲ፡ ካብቲ ናይ 1990ታት ፍሉይ እዩ ይብል እዚ መራሒ። ሽዑ ዓበይቲ ዘይሚዛውነታት ነይሮም፡ ሕጂ ግን ኩባንያታት ኣቕርቦትን ዓሚላትን ይስእና ኣለዋ፡ ስለዚ መንግስቲ ከም ዋሕስ ኮይኑ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ፡ ክብል ገሊጹ። ኦልፍ ክሪስትሪክሶን  ወሲኩ …

Read More »

ሽወደን እትኽተሎ ሜላ መኸተ ኮሮና ክትቅይር ኣለዋ ክብሉ ኣርባዕተ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ኣርባዕተ ተመራመርቲ ሽወደን ኣብ ክንዲ እቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ” ማርቴሎን ትልሂትን” ዝበልዎ ኣገባብ ብምጥቃም ዝበዝሐ ህይወት ምድሓን ከም ዝከኣል ናይ ሎሚ ሕታም ዳገንስ ንሂተር ገሊጹ። “ሽወደን ዝያዳ ጽንክር ዝበለ ቀይዲታት እንተ ተኸቲላ ብዙሕ ህይወት ከተድሕን ትኽእል እያ” ክብሉ እዞም ኣርባዕተ ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ ክብል ኣብ ዩንቨርሲቲ ኡምዮ መምህር ሕማማት ለበዳ ዩሲም ሩኬሎቭ ገሊጹ’ሎ። ብፍላይ ድማ ኣብቶም ገና እዚ ሕማም ዘየስፋሕፍሓሎም ቦታታት …

Read More »

ውድብ ጥዕና ዓለም ንስትራተጂ መኸተ ለበዳ ሽወደን ንኢዱ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ንስትራቴጂ መኸተ ለበዳ ሽወደን ኣብ ድሕረ ምውሻብ ካልኦት ሃገራት ከም ሞዴል ክወሰዳኦ ዝኽእላ ኣገባብ እዩ ክብል ናእዳኡ ምሃቡ ተገሊጹ። ላዕለዋይ ክኢላ ህጹጽ እዋናት ዶክተር ማይክ ርያን ሽወደን ምውሻብ ከም ስትራቴጂ ብምንጻግ ኣብያተ ትምህርቲን ቢዝነሳትን ክፉታት ክጸንሑ ምግባራ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። “ዳግማይ ናብ ንቡር እንድሕሪ ክንበጽሕ ኴንና ሽወደን ከም ሞዴል ክንወስዳ ከድልየና እዩ” ክብል ድማ …

Read More »

ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ንዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ንምግምጋም ብሃገር ደረጃ መጽናዕቲ ክገብር ይዳሎ።

ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ሽወደን ንዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ መላእ ሽወደን ንምግምጋም ንኻልኣይ ግዜ መጽናዕቲ ክጅምር ምዃኑ TT ሓቢሩ። እዚ ዝካየድ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ብኣጋጣሚ (random) ዝተመርጹ 4000 ሰባት ዝካየድ እዩ። እቲ ካብዞም ሰባት ንመጽናዕቲ ተባሂሉ ዝውሰድ ቅምሶ (sample) ካብ ኣፍንጫን ጎሮሮን ዝውሰድ ክኸውን እዩ። እዚ መጽናዕቲ ንመጠን ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ንምግምጋም ተባሂሉ ዝካየድ ድኣ እምበር፡ እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ብቫይረስ …

Read More »

ሽወደን ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ክትሰርሕ እያ።

ነቲ ኣብ ኣብያተትምህርቲ ዘሎ ዘይምዕሩይነት ንምቅላስ፡ መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ከምዘልዎ እዩ ዝሕበር ዘሎ። እቲ ጸብጻብ ብዙሕ ሓሳባት ብምቕራብ፡ ካብዚኣቶም ድማ ነቲ ተምሃራይ ናይ ቤት ትምህርቲ ምምራጽ መሰል ምሃብን፡ ኣብያተትምህርቲ ድማ ንወለዲ ኣብ ናይ መጸበዪ ግዜ መዝጊብካ ናይ ምድንጓይ ዚኽተላኦ ዘለዋ መሰላት ኪሕደጋ ዚብሉ እዮም። መንግስቲ ዘዳለዎ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ሽወደን ኣብ መንጐ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ ዘይምዕርዩነት ንምስትኽኻል ኢዱ ከእቱ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ለበዳ ኮሮና ዝሓዘቶ ኣካይዳ ዝተዓወተት ይመስል ክብል ትራምፕ ገሊጹ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትርምፕ ብዛዕባ ሽወደን እትኽተሎ ኣገባብ መኸተ ለበዳ ኮሮና ዝጸንሖ ኣተሓሳስባ ብምቕያር ትማሊ ኣድናቖቱ ምልጋሱ ተፈሊጡ። ንሱ” ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዜጋታቱ ኣብ ቤት ክውሸቡ ምንጋር ኣየድልዮን እዩ፥ ብቕጽበት እዮም ተግቢሮሞ” ምባሉ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ትራምፕ ኣቐዲሙ ንስትራቴጂ ሽወደን ብትሪ ምቅዋሙን ኣመሪካ እዚ ኣገባብ እንተትጥቀም ኔራ ዛጊት ክልተ ሚልዮን ሰባት ምሞቱና ኔሮም ምባሉን ይጥቀስ’ዩ። እንተኾነ ግና እቲ ፕረሲደንት ትማሊ፡ምስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com