Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ስቶክሆልም ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ክለተ ተወሰክቲ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ስቶክሆልም ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ክልተ ደቂ ታጂኪስታን ኣብ ሶርያ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ብማዕከናት ዜና ሽወደን ዝተገልጸ። እዞም ሰብኡት ን ኣብ ስተኮሆልም መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ራህማት ኣኪሎቭ ኣብ ግብረ ሽበራዊ ስርሓቱ ሓገዝ ብምትሕብባር እዮም ተኸሲሶም። ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶምን ብርክት ዝበሉ ድማ ምቚሳሎምን ዝዝከር እዩ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን Säpo ብዛዕባዚ ዜና ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ።

Read More »

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኣድራሻ ንዘይብሎም ሰባት ኣድራሻ ብምሻጥ ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ዘካይዱ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኣድራሻ ንዘይብሎም ሰባት ኣድራሻ ብምሻጥ ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ብምኽያድ ኣታዉን ዝረኽቡ ሰባት ከምዘሎዉን፣ እዚ ኸኣ ንሕጊ  ምዝገባ ሽወደን ዝጥሕስ ምዃኑ ቤትጽሕፈት ኣታዊ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሩ።ኣብዚ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገልግሎት ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዜናዊ ዳህሳስን መርመራን ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ስጋብ 100 ዝኣኽሉ ሰባት፣ ብሓንሳብ ዝተመዝገብሉ ኣድራሻ ከምዝተረኸበ ተፈሊጡ። እቶም ሓደ ሚእቲ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ዕዮ(arbetsförmedlingen) ቤት ጽሕፈታቱ ዳግማይ ከምዝኽፈት ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ ምዕጻው ቤት ጽሕፈታቱ ከምዘቓረጸን ብተወሳክውን እተን ኣቀዲመን ዝተዓጽዋ ቤት ጽሕፈታቱ እንደገና ኪክፈታ ሙኻነን ግዜያዊ ሓላፉ ሰልፊ ሰንተር ኣንደሽ ጆንሶን ምስ ናይ ሽወደን ቴለቪስዮን svt ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ። በዚ ድማ መንግስትን መሻርክቲ ሰልፍታት ወርሒ ጥሪ ከምዝተሰማምዓሉ ኣፍሊጡ። ከምዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣስታት 132 ቤት ጽሕፈታቱን ክዓጽውን ኣስታት 4500 ዝኮኑ ሰራሕተኛታት ከጣይስ መደብ ከምዝነበሮን፡ እዚ ድማ ብዙሕ …

Read More »

ኣብ ማልሞ ቅትለት ዝፈጸመ መንእሰይ 12 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ኣብ ማልሞ ዝርከብ ቤትፍርዲ ንወዲ 22 ዓመትን መንፈቕን መንእሰይ ብቕትለት ድሕሪ ምኽሳስ ንዓሰተውክልተ ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ጐደቢ ሮሰንጋርድ እዚ መንእሰይ ቅትለት ምፍጻሙ ከም እተረጋገጸ ድማ ተገሊጹ። ዳኛ ፍረድሪክ ላንድግረን ነዚ ውሳነ ግቡእ እዩ ክትብል ሓቢራ’ላ። ንሳ ብተወሳኺ ንኻልእ መንእሰይ ንኣርባዕተ ዓመታት ክእሰር ፈሪዳ’ላ። እዚ ፍጻመ ኣብ 16 ሓምለ 2018 እዩ ኣጋጢሙ። ኣብዚ ዕለት እዚ ወዲ 23 …

Read More »

ኣብ ልዕለይ ዝግበር ወፍሪ ነቐፌታ ፖለቲካዊ ጸወታ እዩ ይብል መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ክሪስተርሰን።

መራሒ ሰልፊ ሞደራትና (ዓቅባቂ) ኡልፍ ክሪስተርሰን ነቲ ምስ ሰልፊ ስቫርያ ዴሞክራሲ ዘለዎ ምሕዝነት ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ወፍሪ ነቐፌታ ዝበለየ ፖለቲካዊ ጸወታ እዩ ክብል ኣዋዲቕዎ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ነዚ ናይ ነቐፌታ ወፍሪ ስነስርዓት ዘይብሉ ክብል ዘሊፍዎ’ሎ። “ዘሎ ሽግራት ንምልዛብ ምስ ዝደለኽዎ ሰልፊ ክዛተ ሕጂ’ውን ድሉው እየ” ድማ ኢሉ። ኣብ ባይቶ ሽወደን ዘሎ ክትዓት ወረጃ ባህሉ እናሓደገ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ኣሳላፊት ንምዕያይ ዝተገብረ ፈተነ ዕውት ኮይኑ።

ካብ ቤት መግቢ ናብ ዓማዊል መግቢ ጽዒና እተሰልፍ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዕዉት ፈተናኣ ምፍጻማ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሰናስን ሊንሾፒን ዝተፈጸመ ፈተነ “ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዝተፈተነ” እኳ እንተኾነ ኣብ መስርሕ ፈተነ እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ድማ ተባሂሉ። እቲ ዝዓበየ ብድሆ ተመራመርቲ ሓደ ቴክኒካዊ ፍታሕ ምድላው፥ ምፍታንን ካብ ኤጀንሲ ትራንስፖርት ሽወደን ፍቓድ ምርካብን ከም ዝነበረ ድማ ተገሊጹ። “ድሕነት …

Read More »

ዜጋታት ካብ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ፓስታ ክጥንቀቑ ፖስትኖርድ ይሕብር።

ናይ ሓሶት መልእኽቲታት ብብዝሒ ኣብዚ እዋን ይፍኖ ምህላዉ ፖስኖርድ ሓቢሩ። ኣብ ኢሜይል ተቐበልቲ ናይ መጓዓዓዚ 15 ክሮና ክኸፍሉ ብሓሶት ይሕተቱ ምህላዎም ፓስኖርድ ዜጋታት ዝያዳ ትኩርነት ክገብሩ ይመክር። ምስ ምምጻእ ልደት ብዙሓት ሰባት ዕሹግ መልእኽቲ ክመጾም ከም ዝጽበዩ ብምፍላጥ እዮም ነዚ ዝገብሩ ዘለዉ ክትብል ኣብ ፖስትኖርድ ሓላፊት ፕረስ ኣና ክጄላንደር ሓቢራ። ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብርክት ዝበሉ ናይ ፌይስቡክ ተጠቀምቲ ናይ መጓዓዓዚ ክፍሊት …

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽን መንበሪኦም ክቕይሩ ንዝደልዩ ሓተትቲ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ይነድፍ።

ብመሰራት ኣብ መራኸቢ ገጻት ክፍሊ ኢመግረሽን ዝተዘርግሔ ሓበሬታ ሰባት ባዕላቶም መንበሪኦም ክቕይሩ ንዝደልዩ ሓተትቲ ዕቚባ ዝምልከት ካብ ዝመጽእ ሓምለ ጀሚሩ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ሓደስቲ ሕግታት ከተኣታቱ ምዃኑ ተገሊጹ። በዚ መስረት ኣብ ግዚኡ እዚ ሓደሽቲ ሕግታት በቲ በዓልመዚ ክውሰን እዩ ተባሂሉ’ሎ ካብ ዘሎ ሓደሽቲ ሕግታት ንብቚጠባዊ ማሕበራዊን መዳይ ዝተገለሉ ሰባትን፣ ንዝስወሩ ሓተትቲ ዕቚባን መዓልታዊ መቚነን ረድኤትን ካልእን ሕግታት ዝምልከት ሙዃኑ እዩ እዚ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዓቐን ዘይሕጋዊ ዝውዉር ገንዘብ ብቑጽርን ዓቐንን እንዳዓበየ ከምዝመጸ ተሓቢሩ።

እቲ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ከምዘመልከቶ ድሕሪ እቲ ኣብ 2015 ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ገንዘብ ነቲ ናህሪ ዘይሕጋዉነት ክዓግቶ ከምዘካኣለን ብኣንጻኡ ስጋብ 2017 ዓመተ ምህረት እቲ ተመዝጊቡ ዝነበረ 200 ጉዳያት ናብ 100 ጉዳያት ኣብ ዓመት እንዳዛየደ ከምዝመጸን። እዚ ኸኣ እቲ ዘሕጋዊ ዝውዉር ገንዘብ ብ400 ሚእታዊት ከምዝዓበየ እቲ ሽማግለ ኣመልኪቱ። ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ገንዘብ ንምቁጽጻሩ እቲ ዝቐለል እኳ እንተኾነ፣ ቀንዲ ምንጩ …

Read More »

ኣብ መንግስቲ ሽወደን ክልተ ደቀንስትዮ ሚኒስተራት ብዛዕባ እናወሰኸ ዝመጸ ጽልኢ ስደተኛታት መጠንቀቕታ ምሃበን ተገሊጹ።

ብምኽንያት ኣህጒራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ሚኒስተር ባህሊ ሽወደን ኣማና ሊንደ ከምኡውን ማዕርነት ጾታ ኦሳ ሊንዳገን ገለ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎም ሰባት ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ናይ ጽልኢ ዘመተ ይዝርግሑ ምህላዎም ኣብ ዝጸሓፎኦ ዓንቀጽ ኣመልኪተን ኣለዋ። እዚ ናይ ጽልኢ ጎስጓሳት ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉን ንክብሪ ሰባት ዝትንክፍ ብምዃኑ ሓደገኛ ተርእዮ ምዃኑን ኣብሪሀን ኣለዋ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ መድረኻት ኮሜንትን ባይቶን እውን ይዘርቊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com