Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ፖሊስ ዕርቃኑ ዝተራእየ ሰብ ይኣስሩ!!

ፖሊስ ኣብ ገምገም ሳኩና ዕርቃኑ ንዝተራእየ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም። እዚ ሰብኣይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ገምገም ባሕሪ ሎማስትራንድርን እዩ ዕርቃኑ ተራእዩ። ብዙሓት በጻሕቲን ፈተውቲ ባሕሪን ድማ ብባህርይ እዚ ጻዕዳ ቆብዕ ጥራይ ወድዩ እተራእየ ሰብኣይ ባህ ከም ዘይበሎም ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ጻውዒት ተዘናጋዕቲን ፍርሂ ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምስምዖም ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነዚ 57 ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም …

Read More »

ብስርቂ ኮራኹር ኣኽላባት ን 5 ዓመት ይፍረድ!!

ብስርቂ እተኸሰ ገበነኛ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱ። ኣብ ኣውራጃ ስኮና ኣብ ስርቂ ሽዱሽተ ኮራኲር እተዋፈረ መእንእሰይ 6 ዓመት ማእሰርቲ ተበይንዎ። እዚ 27 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ ንመምህሩ ኣካላዊ ማህሰይቲ ብምውራድ እዩ ኣብቲ ራስያ ተዋፊሩ። እዚ ፍጻመ ኣብ ወርሓ ጥሪ ዝተፈጸመ ኮይኑ ገበነኛ ንመምህሩ ብምጥቃዕን መሓውራ ብማእሳርን እዩ ነቲ ስርቂ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ፈጺምዎ። እታ ኮራኲራ እተመንዝዐት መምህር ናይ ምሰናግለ መስበርቲ ከም ዘጋጠማን …

Read More »

ናይ ሕክምና ዶክተር ብዝገበሮ ጉድለት ይቕጻዕ!!

ኣብ ሆስፒታል ኣፕሳላ ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር ኣብ ስርሑ ብዝገበሮ ጉድለት ተቐጺዑ። እዚ ዶክተር ን 50 ሕሙማት ናይ ፈተነ መብጣሕቲ ብምክያድ ሃስያ ብምውራዱ እዩ ኣገልግሎት ጥዕና ኣፕሳላ ክቕጻዕ ዝወሰኑ። በዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ናይ ቊጽጽር ክኣቱ ጌሮም ኣለዉ። እዚ ዶክተር ካብ ዓመታት 2014 ክሳብ 2016 ልዕሊ 170 ናይ ጐሎ መጥባሕቲታት ብምክያድ ንኣደዳ ድሕረ-መብጣሕታዊ ሽግራትን ንባሪ ስንክልናን ክቃልዑ ጌሩ እዩ ተባሂሉ።

Read More »

ምክልኻል ኣድልዎ(ኣፈላላይ)

ኣብ ሽወደን ንኣድልዎ(ኣፈላላይ) ምክልኻል፡ ሰብኣዊ ግዴታ ወይ ሓላፍነት እዩ። ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ፡ ማለት ገለ ሰባት ወይ ጒጅለታት፡ ካብ ካልኦት ብዝተሓተ ኣገባብ ወይ ኲነታት ይርኣዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት እዩ።​ ወኪል ማዕርነት (Diskrimineringsombudsmannen) ወኪል ማዕርነት (Diskrimineringsombudsmannen, DO): ንምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን ኲላቶም ሰባት ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል እዩ። ንሱ፡ ንሕጊ “ኣንጻር ኣድልዎ” ኣብ ግብሪ ከውዕል ግቡኡ እዩ። ብመሰረት …

Read More »

ኣብ ከተማ ኦረብሮ ምፍንጃር ቦንብ ኣጋጢሙ!!

ኣብ ከተማ ኦረብሮ ዝርከብ ለይታዊት ትልሂት ዝካየደሉ ቦታ ቦንብ ከምእተፈንጀረ ፖሊስ እዛ ከተማ ኣፍሊጦም። ነዚ ምፍንጃር ሲዒቡ ናይ ሓዊ ሃልሃልቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ሆልመን ኢንድስትሪ ዝርከብ ኣዳራሽ ለይታዊ ትልሂ ከምዝተራእየ ፖሊስ እዛ ከታም ወሲኾም ገሊጾም። ኪኢላታት ተተኾስቲ ኣብቲ ዝተፈንጀረ ቦታታት ከምዚበጽሑን ኣብ ሓደ ጡርጡር ኣደራሽ መርመራ ይገብሩ ከምዘለዎ ተሓቢሩ። በዚ ምፍንጃር ስዒቡ ኣብ ንብረት እንበር ኣብ ሰብ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይወረደ ይግለጽ …

Read More »

ሽወደን ምስ ምዝውዋር ገንዘብ ተዋፊሩ ንዝበለቶ በዓልመዚ ቀይዳ!!

ሽወደን ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተዋፊሩ ንዝበለቶ ሓደ ቻይናዊ በዓልመዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ ። ሰብመዚ ሽወደን ብሰንበት እዮም ነዚ ቻይናዊ ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ዝሓዝዎ። ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሽወደን ነዚ ቻይናዊ ኣብ ሃገሩ ክፍረድ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዓዱ ባርባራዊ መቕጻዕቲ ክወርዶ እዩ ብዝብል ነጺጎሞ ኣለዉ።  እንተኾነ ኣብ 2015 ኣብ ኣመሪካ ዝቐረበሉ ተወሳኺ ክሲ ብምምልካት ናብ ኣመሪካ ከስተልምዎ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ’ሎ። እዚ …

Read More »

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ጒዳይ ኣሳንጅ ኣይንቃወምን ይብሉ!!

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኣሳንጅ ንውሳነ ቤትፍርዲ ኣይንቃወምን ይብሉ። ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ብሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ጒዳይ ኣሳንጅ ንውሳነ ቤትፍርዲ ኣይንቃወንም ኢና ኢሎም ኣለዉ። ምውጻእ ናይዚ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ብሪጣንያ ንኣሳንጅ ኣሕሊፋ ክትህቦ ዝሓትት እዩ ኔሩ። ላዕለዋይ ጠበቓ ሽወደን ኤቫ መሪ ፔርሾን ” ተወሳኺ ቃለመጠይቕ ብምግባት ተወሳኺ መርትዖ ክቐርበሉ እዩ” ኢላ። ሽወደን ንኣሳንጅ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ክትከሶ ከም እትደሊ …

Read More »

መስርሕ ፍርዲ ን ሰደተኛታት ጸቓናጸበ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን ተናዊሑ!!

ውሳነ ፍርዲ መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ” ስታንድ ፎር ሽወደን” ተናዊሑ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ዓሌታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋን ንስደተኛታት ዘናሽዉ ርእይቶታትን ብምጽሓይ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ክሲ ክነጽጎ ምጽንሑ ተገሊጹ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ስደተኛታት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን” ኣህባይ ” እዮም ” ኣስላን ካልኦት ዓሌትን ክጸንቱ እዮም ዘለዎም” ዝብል ጽሑፋት ምውጹኡን ይንገር።

Read More »

ኣብ ሽወደን ቊጽሪ ጥሩፋት ብርኡይ ወሲኹ ተባሂሉ!!

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን Säpo ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ቊጽሪ ጥሩፋት ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ምውሳኹ ገሊጹ። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሳምንቲ ብዙሕ ናይ ምእሳርን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ስርሒታት ምክያዱ’ውን ገሊጹ’ሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ጽልኢ ክዘርኡ ዝውዕሉ ባእታታት ካብታ ሃገር ክስጐጒ ከም ዝግባእ ክኣ ንበዓልመዚ ኢሚግሮአሽን ኣተሓሳሲቡ’ሎ። “ብሓይሊ ንዴሞክራሲያዊ ስርዓትናን ክብርታትናን ክቕይሩ ዝህቅኑ ባእታትት ኣለዉ” ይብል በዓልመዚ ስለያ Clas …

Read More »

ኣብ ምቅላስ ምልዋጥ ክሊማ ኣፕሳላ ዝበለጸት ከተማ ተባሂላ!!

ኣፕሳላ ኣብ ምቅላስ ምልዋጥ ክሊማ ካብ ከተማታት ሽወደን እታ ዝበለጸት ተባሂላ’ላ። ስዒበን ከተማታት ሱንድቫልን ክሪስታንድሳትን ተሰሪዐን ኣለዋ። እዚ ዝተባህለ ትካል ከባብያዊ መጽናዕቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኮይኑ 208 ምምሕዳር ከተማታት ከም እተወዳደራ ተፈሊጡ። ክሊማዊ ለውጢ ኣዝዩ ከቢድ ብድሆ ዓለምና ምዃኑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com