Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ጅግንነት ኣብ እዋን ሽበራ።

ዓርቢ ኣብ መሳጊድ ክራስትቸርች ኒውዚላንድ ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ 50 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲሎም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ዝሰግዱ ዝነበሩ ምእመናን ነቲ ዕጡቕ ብድፍረት ብምግጣመ ክሬዲት ካርድ ክህበካ ካብዚ ውጻእ ከም ዝበሎውን ተገሊጹ። ሓዲኦም ሽጉጥ ጥራይ እተዓጥቀ ክልተ ሰብመዚ ፖሊስ ክኣ ን ዕጡቕ Brenton Tarrant ጎይዮም ከም ዝሕዝዎ ተሓቢሩ። እቲ ጥርጡር ኣብ መኪናኡ ነተጒቲ ከም ዝነበሮን መጥቃዕቲ ከካይድ ይውጥን ምንባሩን …

Read More »

ትስፉውነት + ንቕሓት = ዓንዲ ብልጽግና ቀዳማይ ክፋል ብበሪሁሉ ብኣማን

ብልጽግና፡ ንቕሓት ብዝተሓወሶ ጻዕሪ ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ህይወት ገጢምካ ዕውት ብምዃን ዝረጋገጽ መደያይቦ ዕብየት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብልጽግና፡ ነቲ ተፈጥሮ ብዘይ ብቂ ዝዓደለካ መሃዚን ፈጠራውን ዓቕምኻ ኣበራቢርካ ዝብጻሕ ደረጃ’ዩ ማለት እዩ። ብልጽግና ማለት ገንዘባዊ ወይ ንዋያዊ ሃብቲ ማለት እዩ እንተኢልና፡ ሃብታም ኣተሓሳስባ ከየጥረኻ እትውንኖ ብልጽግና ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ህንጻ ነባርነት ከም ዘይህልዎ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ‘ቅድሚ ልቢ ኣይጠረ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ናይ ዓርቢ ሰላት ዝገብሩ ማሕበረሰብ እስላም ስግኣት ከም ዝሓደሮም ገሊጾም።

ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ክልተ መሳጊድ ክራይስትቸርች ብዝተፈጸመ ቅትለት 49 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ኣብ ሽወደን ናይ ዓርቢ ሰላት ዝገብሩ ማሕበረሰብ እስላም ስግኣት ከም ዝሓደሮም ገሊጾም። “እዚ ዜና ብሓቂ ዘርዕድ እዩ። ኣብ ሽወደን ይኹን ካልእ ምዕራባዊ ሃገር ከጋጥም ዝኽእል መጥቃዕቲ እዩ። ሕሉፋት ሰባት ኣጀንዳ ክቐርጹ ዕድል እንተረኺቦም መወዳእትኡ እዚ እዩ ዝኸውን፡ ንሕናን ንሳቶምን እናበልካ ምፍልላይ ምፍጣር” ይብል ኣባል ሶሻል ዲሞክራትስ ነበር Omar …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር Stefan Löfven ነቲ ኣብ ኒውዚላንድ እተፈጸመ ቅትለት ኮኒንዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር Stefan Löfven ነቲ ኣብ ክራይስትቸርች ኒውዚላንድ እተፈጸመ ቅትለት ንጹሃን ኣስላም ኮኒንዎ። ንሱ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ናይ ፈራሃት ተግባርነ ዘስካሕክሕ ጭካነን” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። እንተኾነ ግና ፈጻሚ እዚ ቅትለት ኣብ ስቶክሆልም ብግብረሽበራውያን ናይ እተቐትለት ጓል 11 ዓመት ህጻን ሕነ ክፈዲ እዩ ውዒልዎ ንዝብል መግለጺ መልሲ ክህበሉ ኣይደልየን። ብሓሙስ ወኪል ስለያን ጸጥታን ሽወደን Säpo ብዛዕባ ጸጥታ ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ …

Read More »

ምዝራቚ ወረቐት መርመራ ንምዕጋት ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ ምስ ፌይስቡክ ርክብ ፈጢሩ ይበሃል ኣሎ።

ሓሙስ ኣብ ፈለማ ሰዓታት ወጋሕታ ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ተመሃሮ ወረቐት መርመራ ብቐጥታ ምዝራቚ ተገሊጹ። ኣቐዲሞም ተመሳሰልቲ ምዝራቚ መርመራ ምንባሩን ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጀሚሩ ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ ነዚ ንምዕጋት ቀጻሊ ናይ ጸጥታ ስርሓት ከዋድድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ሓላፊ ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ Anders Boman ምስ ፌስቡክ እተገብረ ርክብ ኣዎንታዊ ውጽኢት ክህልዎ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

20 ዝኾና በረራታት ከም እተኣጓጐላ ምምሕዳር መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ገሊጹ።

መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ስቶክሆልም ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ማክስ 737 ብዝተገብረ እገዳ 20 ዝኾና በረራታት ከም እተኣጓጐላ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምሕምሻሽ ኣውሮጳዊ በዓል መዚ በረራ ብሰሉስቦይንግ ማክስ 737 157 ሰባት ህይወቶም ድሕሪ ምስኣኖም ኣብ ዘውጽኦ እገዳ ብፍላይ ዓማዊል መንገዲ ኣየር ኖርዌይን TUI ይን ከም እተሃስዩ ይፍለጥ። ብፍላይ ኖርዌይ ሓደ ዕስሪት ካብ ነፈርታ ኣብ ጋራጅ ክጸንሓ ዝገብር ውሳነ ኮይኑ ናብ ካልእ …

Read More »

ኣብ 2 መሳጊድ ኒውዚላንድ 49 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።

ኣብ ክራይስትቸርች ኒውዚላንድ ኣብ ክልተ መሳጊድ ብዝተገብረ ናይ ተዂሲ ኣርብዓን ትሽዓተን ሰባት ምሟቶምን እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እተራእየ ዝዓበየ ህልቂት ምዃኑን ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጃኪንዳ ኣርደን ነዚ ተግባር ግብረሽበራዊ ድሕሪ ምባል ኣብ ታሪኽ ኒውዚላንድ ጸልማት መዓልቲ እያ ኢላ። ኣውስትራልያዊ እየ በሃላይ ዕጡቕ ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ዓሌታውን ጸረ-ስደተኛታትን መልእኽቲ ብቐጥታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እዚ ሰብ ኣብ ዕስራታት ዕድመ ዝርከብ ኮይኑ …

Read More »

ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ።

ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ዝዘንብ ዘሎ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ክከላኸል ግደ የብለይን ክትብል ጓል ማይክል ጃክሰን ፓሪስ ጃክሰን ገሊጻ። ማይክል ጃክሰን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽም ምንባሩ ዘርኢ ሊቪንግ ነቨርላንድ ዝተባህለ ሰናዲ ቪድዮ ድሕሪ ምፍናዉ እያ ነዚ ዝበለት። ጓል 20 ዓመት ፓሪስ ናይ ኣቦኣ ስም ንምንጻህ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ሓገዝ ክትገበር ምዃና ተዛሪባ’ላ። ኣብ ሞዴልነት እትሰርሕ ፓሪስ ኣብ ብሓሙስ ኣብ …

Read More »

ባይቶ ብሪጣንያ ነቲ ዝተመሓየሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ምእባዩ ከም ዘሕዘኖ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ።

ባይቶ ብሪጣንያ ነቲ ብቐዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ተረሳ መይን ኣባላት ሃውስ ኦቭ ኮመንስ ንዝቐረበ ዝተመሓየሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ምእባዩ ከም ዘሕዘኖ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ። ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren እዚ ውጽኢት ትጽቢት ዝተገብረሉ እኳ እንተኾነ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ’ሎ። ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጻኣ ዓበይቲ ሳዕቤናት ምኽታሎም ኣይተርፍን ዝብል ፍርሂ ከም ዘለዎ’ውን ገሊጹ’ሎ። ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዘይ ውዕል ትውጻእ ወይስ ብውዕል …

Read More »

ሓደ ዋርድያ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ክልተ ደቀንስትዮ ብምዕማጹ ይኽሰስ።

እዚ ሰብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብምጥቃምን ድኹም ጎድኒ ኣዘን ደቀንስትዮን ብምምዝማዝ እዩ ኣብ ስቶክሆልም ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ። ዳኛ Christina Voigt እዚ ሰብ እዘን ደቅርንስትዮ ቅድሚ ሕጂ ፈጺመናኦ ኢሉ ብዝኣመኖ ወንጀል ናብ ፖሊስ ክኸስስ ምዃኑ እናፈራርሀ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽማ ከገድደን ምጽንሑ ብምሕባር ሕጊ ብጾታዊ ምድፋር ከሲስዎ ምህላዉ ገሊጻ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com