Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ ታሕሳስ 10, 2018

Read More »

ፖሊስ ስቶክሆልም ንኹሎም ተራ ናይ ምጥፍፋእ ምርመራታት ጠጠው ከብልዎም ይውስኑ።

ፖሊስ ስቶክሆልም ንኹሎም ካብ 5000 ክሮነር ናይ ምጥፍፋእ ምርመራታት ጠጠው ከብልዎም ይውስኑ። እዚ ዝገበሩ ዋሕዲ ገንዘብ ስለዘጋጠሞም እዩ።ማሕበር ሓራጅ ሽወደን እዚሞ ሰባት ምጥፍፋእ ንኽፍጽሙ ዝዕድም እዩ ኢሉ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምንጪ ንዜና ሬድዮ ሽወደን ከም ዝገለጾ እዚ ማለት ብዙሕ ወንጀል ካብ ገበን ሓራ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። በዓል መዚ ፖሊስ ሓደስቲ ክሲታት ክዕለቕሉቑ ጀሚሮም ይብል።

Read More »

ሸለልትነት ሓካይም ሂወት ጓል 72 ዓመት ስዊድናዊት ኣኒካ የጥፍእ።

ጓል 72 ዓመት ሽወደናዊት ኣኒታ ሃትባናይስ ዶክተራት ከይመርመዋ ካንሰር ናብ መላእ ኣካላታ ብምስፍሕፍሑ ሞይታ። ነቲ ኲነታት ብዕሙቈት እትከትታል ኣፍቶንባልደት ዝተባህለት ጋዜጣ ቤተሰባ ክሲ ምምስራቶም ጸብጺባ ኣላ።

Read More »

ኣብ ጉዳይ ንግዲ ትምባኾ ሽጋራን መሰልቱን ዝተገብረ ሓድሽ ውሳኔ።

ኣብ ናይ ጎደና ቤት ሻሂታት ዝተወሰነ እገዳ ምትካኽ ካብ ዝቕጽል ክረምቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል’ዩ። መንግስቲ ሸወደን ኣብ ኣብ ጉዳይ ንግዲ ትምባኾ ሽጋራን መሰልቱን ዝተገብረ ሓድሽ ውሳነ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ። እዚ ሕጊ ብመሰረት ዝተገብረ ናይ ሕጊ ለውጢታት ዝሰዓበ ኮይኑ ካብ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ ተግባራዊ ኪኸውን እዩ። ኮሚተ ማሕበራዊ ጉዳያት ነቲ እማመ ብሓፈሻ ብምቕባል ባይቶ እማመ መንግስቲ ምስናይ ገለ ለውጢታቱ ክቕበል …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብታ ሃገር ብዝለዓለ ደረጃ ብፖሊስ ናይ ዝድልዩ ሰባት ዝርዝር ዕላዊ ጌሩ።

እዚ ዝርዝር ኣስማትን ፎቶግራፍን ኣዝዮም ሓደገኛታት ጥርጡራትን ዝተረፉ ካልኦትን ኣብ ሽወደን ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እዩ ዝርከብ። እዚ ማለት ኣብ ሽወደን፥ ኖርዌይ፡ ዴንማርክ፡ ፊንላንድን ኣይስላንድን ዝርከቡ ፖሊስ ሓባራዊ ዝርዝር ኣስማትን ፎቶግራፍን ኣዝዮም ሓደገኛታት ገበነኛታት ኣለዎም ማለት እዩ። “ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገር መሕብኢ ገበነኛታት ክትከውን የብላን” ይብል ሽወደናዊ በዓል መዚ ፖሊስ ናደዝ። ኣብ ሓሙሽቲአን ሃገራት ኖርዲክ ዝርከቡ ፖሊስ …

Read More »

ንፕረዚደንት ሶማል ንምኽሳስ እማመ ቀሪቡ ::

ዓብደልከሪም ዓብዲ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ፓርላማ ፌደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል; ንፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ዓብዱላሂ ንምኽሳስ ናብ ኣፈኛ እቲ ፓርላማ እማመ ከም ዘቕረበ ብሰንበት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ መበገሲ ናይቲ ክሲ እንታይ ምዃኑ ኣይተነጸረን። ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር እቲ እማመ ናብ ኣፈኛ ፓርላማ ንኽቐርብ 92 ኣባላት እቲ ፓርላማ ክታሞም ከንብሩሉ ኣለዎም። እቲ ፓርላማ ድሕሪ ሰሙን …

Read More »

ምይይጥ ሰላም የመናውያን ሎሚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ቀጺሉ::

እቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብቲ ናይ ትማሊ ምይይጥ ምሩኻት ኲናት ንምልውዋጥ ብምስምምዖም እቲ ዘተ ሰላም ጩራ ተስፋ ዝተራእየሉ እኳ እንተኾነ ኣብዛ ብኲናት ተመናኒሃ ዘላ የመን ሰላም ንምርግጋጽ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ከም ዝሓትት ይግለጽ። እቶም ዓለወኛታት ካብታ ኣብ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ሑዴዳ ዘየንሳሕቡ እንተኾይኖም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ ከም ዝውሰድ ኣባል ልኡኽ መንግስቲ የመን ዝኾነ በዓል ስልጣን ኣብቲ ብሓልዮት ሕቡራት ሃገራት …

Read More »

ኣብ ቴሌፎን ዝተጻዕነ መተግበሪ (App) ብምጥቃም ዝዝውተር ኣገባብ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተቓውሞ ገጢምዎ::

ልዕሊ 100,000 ነበርቲ ስቶክሆልም ብክፍሊት ናይ ገዛ ጐሓፍ ዝወስዱ ውልቀሰባት ብኦንላይን ደልዮም ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ዘሎ ናይ ቴሌፎን መተግበሪ (App)፡ ሕጊ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ዝጥሕስ ኣገባብ ምዃኑ ብምግላጽ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ተቓዊምዎ። እቶም ነበርቲ ኣብቲ ቲፕታፕ ብዝብል ስም ዝፍለጥን ኣብ 2016 ዝተጀመረን መተግበሪ (App)፡ ኣሳእል ናይቲ ዘየድልዮምን ካብ ገዝኦም ክእለየሎም ዝደልዩዎን ዓይነት ኣቚሑ ብምልጣፍ ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ዘለዎም ሰባት ብገንዘብ …

Read More »

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ::

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ሰባት ናብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ስቶክሆልም ብወገን እኩባት ደሴታት ሙስኮ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣቲኹም ብዝብል ጠርጠራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ። ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ካሪን ሮዛሮንድ እቶም ሰብኡት ሕጊ ገዛእቲ ትሕተ ቅርጺ ብምጥሓስ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጻ። እቶም ሰብኡት ቅድሚ ምትሓዞም ብተደጋጋሚ ናብ ሙስኮ ተምላሊሶም እዮም። በዚ ድማ ንክልተ ዓመት …

Read More »

ክልተ ተጻረርቲ ሰልፍታት የመን ንዝርርብ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣትዮም::

ኣልኮምፒስ -ስዊድን: ክልተ ዓበይቲ ሙዃኖም ዝንገረሎም ተቃውምቲ ሰልፍታት የመን ንዝርርብ ኣብ ከተማ እስቶኮልም ኣትዮም ከምዘሎዉ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ገሊጸን ። ሰሉስ 04 ታሕሳስ ምስ ወኪል ውዱብ ሃገራት ብሓንሳብ ኣብ ሽወደን ዝተረኽቡ ተቃወምቲ ሁቲ ድሮ ቦትኦም ከም ዝሓዙ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ ። ወግዓውያን ወከልቲ መንግስቲ የመን ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝኣትዉ ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፡ ክልቲአን ውድባት ኣብ ዝተረኽብሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com